ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ቁጠባዊ ኮነ ወትሃደራዊ ዝምድና ከምዘይብላ ኣፍሊጣ

ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ቁጠባዊ ኮነ ወትሃደራዊ ዝምድና ከምዘይብላ ኣፍሊጣ

Radio Erena : 01 April 2015

USEr

ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ወትሃደራዊ ኮነ ቁጠባዊ ዝምድና ከምዘይብላ ኣፍሊጣ።

ክልቲኤን ሃገራት ኤምባሲታት ዘለወን እኳ እንተኾነ፣ ካብ ክልቲኤን ወገን ዝተመዙ ኣምባሳደራት ከምዘየለዉ ግና ሓቢራ።

ኣመሪካ ነዚ ዝሓበረት፣ ብመንገዲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ብ27 መጋቢት ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኮይኑ፣ ምስ ኤርትራ ካብ 1993 ኣትሒዙ ዝተመስረተ ዝምድና እኳ እንተነበራ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግና እቲ ዝምድና ከንቆልቁል ምጽንሑ ኣረዲኣ።

እቲ ናይ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ መግለጺ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣመሪካ ዝኾነ ሓገዝ ክቕበል ከምዘይደሊ ብምግላጹ’ውን፣ ኣመሪካ ንኤርትራ እትህቦ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘየለ ኣረጋጊጹ።

 

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ እዋን ዘንበሮ እገዳ፣ ኣመሪካ ካብተን ቀዳሞት ደገፈን ዝሃባ ቀውምቲ ኣባላት እቲ ባይቶ’ያ።

መንግስቲ ኤርትራ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ፣ ሃይማኖትን እምነትን፣ ብናጻ ምንቕስቓስን ካልእን ዝኣመሰለ መሰራታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ብምግሃሱ ኣመሪካ ብቀዳምነት ካብ ዝነቕፍዎ ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0