ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ወራር ከካይድ ምዃኑ FAO ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 27 May 2020

ብናይ በረኻ ዝፍለጥ ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ወራር ከካይድ ተገሚቱ ከምዘሎ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO) ኣጠንቂቑ።

ብመሰረት እቲ ውድብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ በዚ ሓድሽ ወራር ብዝያዳ ክትጥቃዕ ይኽእላ’የን ዝበለን ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ኬንያን ሱዳንን’የን።

ኤርትራ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት’ውን፣ ሓደ እዚ ወራር ኣንጸላልዩወን ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝወርድ ዘሎ ሓያሎን ዝናብ፣ ተጸፍዩ ንዘሎ እንቋቑሖታት ንምፍራይ ስለዝሕግዝ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ ሓድሽ ማዕበል ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከምዝኽሰት ስለዝኽእል፣ ሃገራት ቅድመ ምድላዋት ከካይዳ እቲ ውድብ ደጊሙ ኣዘኻኺሩ።

ውድብ መግብን ሕርሻን ምስ መንግስታት እተን ብዝያዳ ዝተሃስያ ሃገራት ብምዃን፣ ነፈርቲን ሄሊኮፕተራትን እናጠጠቕመ፣ ጸረ ኣንበጣ መድሃኒታት ኣብ ምንጻግ ተዋፊሩ እኳ እንተሎ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክሰዓር ኣይከኣለን።

ብሰንኪ’ዚ ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2019 ኣትሒዙ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸጸኖሑ ዘጥቅዕ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ 10ታት ኣሽሓት ሓረስቶት ዘራእቶም ባዲሙ፣ ተጸበይቲ ረዲኤት ኮይኖም ኣለዉ።

(FAO) ብዘቕረቦ ጸብጻብ ድማ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራይ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ረዲኤት የድልዮም።

እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ምስ መሻርኽቲ ብምዃን 10ታት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ሓገዝ ኣዋህሊሉ እኳ እንተሎ፣ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ግና እኹል ከምዘይኮነ’ዩ ዘመልክት።

ኤርትራ፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ብኸቢድ ካብ ዘይተሃስያ ሃገራት እኳ እንተኾነት፣ እቲ ወራር ኣብ ሓያሎ ሓረስቶት ዕንወት ብምውራድ ግና ካብ ሕቡራት ኢማራትን መንግስቲ ጀርመንን ናይ ኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተበርኪቱላ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0