ዕርቂ ተፈጺሙ ብምባል ጉዳይ ኣቡነ እንጠንዮስ ከምዝተፈትሐ ከጋውሕ ዝወርሐ ህግደፍ፣ ብምኽንያት ቅዱስ ዮሃንስ፣ ቃለ ቡራኬ ከይህቡ  ከልኪሉ

ዕርቂ ተፈጺሙ ብምባል ጉዳይ ኣቡነ እንጠንዮስ ከምዝተፈትሐ ከጋውሕ ዝወርሐ ህግደፍ፣ ብምኽንያት ቅዱስ ዮሃንስ፣ ቃለ ቡራኬ ከይህቡ ከልኪሉ

Radio Erena: 11 September 2017

Abune Antonios

ዕርቂ ተፈጺሙ ብምባል ንጉዳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ክዓብጦ ዝፈተነ ህግደፍ፣ ብምኽንያት ቅዱስ ዮሃንስ፣ ቃለ ቡራኬ ከይህቡ ከምዝኸልከለ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣገንዚቦም።

ብጉዳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ተደጋጋሚ እዋናት ኣኼባ ከካይድ ዝጸንሐ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት፣ እቶም ን11 ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ኣብታ ዝነበሩላ ቤት፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡን ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ይቕሬታ ሓቲቶም ናብ መንበሮም ከምዝተመልሱ ብምጥቃስ ኣብ ድሮ ቅዱስ ዮሓስን ቃል ቡራኬ ክህቡ ዘካየዶ ፈተነ ከምዝፈሸለ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

 መንግስቲ ኤርትራ ብስም ዕርቅ ምስ ሳልሳይ ፓትርያርክ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ፕሮፖጋንዳታቱ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ኣብዚ ብምኽንያት ቅዱስ ዮሃስን ኣብ ዝቐረበ ቃለ ቡራኬ ፕሮፖጋንዳታቱ ከምዝፈሸለን ኣቡነ እንጠንዮስ ከኣ ናብ መንፈሳዊ ቦትኦም ከምዘይተመልሱን ገና’ውን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘለዉን ግሁድ ኮይኑ ዘሎ።

ኣብዚ ሎሚ ዝኽበር ዝኽበር ዘሎ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ፣ ዕርቂ ተፈጺሙ ክበሃል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብህይወት እንከለዉ፣ ብስም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ቃለ ቡራኬ ዝሃቡ ሓደ ካብ እሙናት መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለው ኣቡነ ሉቃስ’ዮም።

ህግደፍ፣ ብ27 ሓምለ ዝተኻየደ ርክብ ኣቡነ እንጠንዮስን ሓለፍቲን ሊቃውንትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን’ዩ ዝበሎ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ብዛዕባ ህሉው ኩነታቶምን ዕርቅን ዝሃብዎ ሓጺር መግለጺ ብማሕበራዊ ሜድያታት ብቪድዮ ብምዝርጋሕ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሑን እቲ ጉዳይ ብሰላም ከምዝተዛዘመን ንኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንምርኣይ ፈተነታት ከምዘካየደ ይዝከር።

ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብቲ ልብሲ ፓትርያርክ ዘይኮነ፣ ተራ ልብሲ ካህን ለቢሶም እሞ ድማ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዘይኮነ ኣብ ተራ ገዛ ምስቶም ብስም ሓለፍትን ሊቃውንትን ተወኪሎም ዝመጹ ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፣ ኣብ ዘስምዖዎ ቃል፣ ን11 ዓመትን መንፈቕን ብወሓለውቲ ተዓጂቦም ምስ ሰብ ከይተራኸቡ ከምዘሕለፍዎ እኳ እንተረጋገጹ፣ ብዛዕባ’ቲ ተተግቢሩ’ዩ ዝተባህለ ዕርቅን ናብ መንፈሳዊ መንበሮም ምምላሶም ብዝምልከት ግና ሓበሬታ ኣይሃቡን።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ነቲ ብ16 ሓምለ 2017 ተኻይዱ ዝተብሃለ ዕርቂ ፥ ንልቢ ኩሉ ኣማኒ ዘሰምበረ፥ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ዳግማይ ጸሊም ታሪኽ ዘመዝገበ ፍጻሜ’ዩ ክብል ከምዝገለጾ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ኣቡነ እንጠንዮንስ፣ ብሰንኪ እምነቶም ንሓያሎ ዓመታት ካብ ዝእሰሩ ደዮም ዝጠፍአ ኣማኢት መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነታትን ከምዘለዎ ብሰፊሑ ይፍለጥ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0