ዕለቱ ዝወደቐን ጥዕንኡ ዘጠራጥርን ዕሹግ መግብታትን ሃለኽቲ ነጋራትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ይኣቱ ምህላዉ ተገሊጹ

ዕለቱ ዝወደቐን ጥዕንኡ ዘጠራጥርን ዕሹግ መግብታትን ሃለኽቲ ነጋራትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ይኣቱ ምህላዉ ተገሊጹ

kassalaዕለቱ ዝወደቐን ኣብ ዕዳጋ ክቐርብ ዘይግብኦን ከም ብሽኮቲ፣ ጽሟቕ፣ ዘይቲ፣ ሓሩጭ ጸባ…ወዘተ ዝኣመሰለ ዕሹግ መግብታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብከሰላ-ተሰነይ ናብ ኤርትራ ብብዝሒ ይኣቱ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

 

እቲ ነጋዶን ምስ ነጋዶ ዝተሓባበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብብዝሒ ዘእትውዎ ዘለዉ ዕሹግ መግብታት፣ ኣብ ሱዳን ከይሽየጥ ዝተኣገደ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ብፍላይ እቲ ናይ ሓሩጭ ጸባ ንህጻናትን ቆልዑን ሓደገኛ ክኸውን ስለዝክእል ህዝቢ ክጥንቐቐሉ ተላብዮም።

ብመንገዲ ከሰላ-ተሰነይ ብሕጋውን ኣገባብ ዝተፈላለየ ሃለኽቲ ነጋራት ብብዝሒ ከምዝኣቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቐዲሙ’ውን ዝተበላሸወ ዘይቲ ብልዒን ፊኖን ናብ ኤርትራ ክሰግር ኣብ ዝፈተነሉ ብፖሊስ ሱዳን ከምእተታሕዘ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ ዋሕዲ መሰረታውያን መግብታት ብፍላይ መግቢ ህጻናት ኣመና ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ነጋዶን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነዚ ብምምዝማዝ፣ ጥዕኑ ዘይተረጋገጸ ሃለኽቲ ነጋራት ካብ ሱዳንን የመንን እናእተዉ ንህዝብ ድኳናትን ብመንገዲ ደላሎ ከምዝሸጥሉ ብሰፊሑ ይውረ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0