ኢንዶነዥያ ናብ ኣውስትራልያ ንምስጋር ዝወጠኑ ብውሕዱ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም 30 ሰባት ኣብ ቀይዲ የእትያ

ናብ ኣውስትራልያ ንምስጋር ካብ ዝሓለኑ ብውሕዱ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ኣስታት 30 ሰባት ብፖሊስ ኢንዶነዥያ ከምእተታሕዙ ጃካርታ ግሎብ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

 

እቶም ዜጋታት ፣ ኤርትራ፣ ሶማል፣ ሚያንማርን ፓኪስታንን ምዃኖም ዝተጠቕሱ ስደተኛታት ብመንገዲ ህንዳዊ ውቅያኖስ ናብ ኣውስትራልያ ንምስጋር ኣብ ዝወጠንሉ’ዮም ኣብ ምዕራባዊ ጃቫ ብፖሊስ ተታሒዞም።

ነቶም ሓያሎ ሃገራት ብምቁራጽ ናብ ኢንዶነዥያ ዝብጽሑ ስደተኛታት ብጀላቡ ንምስጋሮም ዝተወዓዓሉ ሰለስተ ዜጋታት ኢንዶነዥያ’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፣ ሸሞንተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 81 ሰባት ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ኢንዶነዥያ ንምእታው ኣብ ዝፈተንሉ፣ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ጥሒሎም፣ ሓሙሽተ ካብቶም ኤርትራውያን 21 ድማ ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ከምዝሞቱ ኣይርሳዕን።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0