ዓወታት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ይቕጽል

Radio Erena: 16 February 2017

Cycling23

ብ14 ለካቲት ኣብ ግብጺ ከተማ፣ ሉክሰር ኣብ ዝጀመረ ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2017፣ ኣብ ውድድር ግዜ -ክሮኖሜተር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ፡ ብክልቲኡ ጾታታት ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ ዝተሸለመት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣንጸባራቒ ዓወታታ ሎሚ ሓሙስ 16 ለካቲት’ውን ውን ቀጺሉ።

በዚ መሰረት፣ ተቐዳደማቲ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ሜሮን ተሾመን ዓወት ሃብቶምን፡ 41.8 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ንዝሸፈነ ውድድር ክሮኖሜትር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ቀዳማይ ሳልሳይን ብምዃን ወርቂን ነሓስን ወኒኖም።

ኣብዚ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ስቴፋን ዴ ቦድ ካልኣይ 26 ካልኢታት ዶንግዩ ደረጃ ዝሓዘሉ ቅድድም፡ ሜሮን ንውድድሩ ብ53 ደቃይቕን 16 ካልኢታትን ክሽፍኖ ከሎ፡ ዓወት ድማ፡ 49 ካልኢታት ድሒሩ ሳልሳይ ኣትዩ።

ዓወት ብዘይካ ኣብ ናይ ኤሊት ውድድር፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት’ውን፡ ብሩር ሜዳልያከንጠልጥል ክኢሉ’ዩ።

ኣብ ናይ ደቂንስትዮ’ውን ብተመሳሳሊ፣ ኣንጸባራቒ ዓወት እትጎናጸፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 16 ለካቲት ቅድድማ፣ ሞሳና ደበሳይ ካልኣይቲ ብምውጻእ ብሩር ሜዳልያ ተሸሊማ።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ዛጊት ብ ዘካየደቶ ሓሙሽተ ውድድራት፡ ሰለስተ ወርቂ፣ ክልተ ብሩርን ሓደ ነሓስን ተዓዊታ ኣላ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0