‘ዓወተይ፣ ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሩህ መጻኢ ዝፈጥር እዩ።’ ቢንያም ግርማይ

Radio Erena:29 March 2022

ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ኣብ ውድድር ክላሲክ ኮይኑ ዝተዓወተ ቢንያም ግርማይ፣ በጺሕዎ ዘሎ ብቅዓት፣ ንኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሩህ መጻኢ ዝፈጥር ምዃኑ ገሊጹ።

ወዲ 21 ዓመት ቢንያም፣ ድሕሪ’ቲ ብ27 መጋቢት፣ ኣብ ቤልጁዩም፣ የንት ቨቨልየም (Gent–Wevelgem) ዝረኸቦ ታሪኻዊ ዓወት፣ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ፣ “ኣብ መድረኽ ሽልማት ክንድይብ ደኣ’ምበር ቀዳሞት ኮይና ክንዕወት ኣይጸናሕናን። ሎሚ ግን፡ ስለ ዝተዓወትና ፍልይ ዝበለ እዩ። ድሕሪ ምባሉ፣ ንሕና ኤርትራውያን ብርቱዕ ስምዒት ብሽክለታ ኣለና። እዚ ታሪኻዊ ዓወት ንዓይ፡ ንጋንታይን ንቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃን ኣገዳሲን ብዙሕ ነገራት ክልውጥ ዝኽእልን ክብል ጠቒሱ።

ንሱ ቅድሚ ናብዚ ውድድር ምእታው፣ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ መርበብ ሓበሬታ HLN ኣብ ዝገበሮ ዕላል፡ “ናይ መጻኢ ባህገይ፡ ኣብ ውድድር ክላሲክ እተዓወተ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ንምዃን እዩ።’ ኢሉ ኔሩ።

ከም ባህጉን ጻዕሩን ድማ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣፍሪቃን ዓለምን ታሪኽ ሰሪሑ ዘሎ ቢንያም፣ ዝመጽእ ጠመትኡ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ዝካየድ ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ ምዃኑ ኣተንቢሁ።

ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ኣብ ሓደ መድረኽ ንምዕዋትን፡ ኣብ መድረኽ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ንምዃንን፣ ተደራቢ ታሪኽ ክስንድ ሓሊኑ ዘሎ ቢንያም፣ ንዕረፍትን ልምምድ፣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ናብ ኤርትራ ኣምሪሑ ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0