ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ዝተቐትሉ 42 ህጻናት ተሓታቲ እዩ: ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ዝተቐትሉ 42 ህጻናት ተሓታቲ እዩ: ውድብ ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: 08 October 2017

unmi_somaliaኣብ ሶማል ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ዝተቐትሉ 42 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ተሓታቲ እዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እቲ ውድብ ብዓርቢ 6 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፣ ሰራዊት ኬንያ ብዝገበሮ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ጥራይ 11 ህጻናት ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ ከምዘተሓሳሰቦ ዝገልጽ ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሰራዊት ሶማልያ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ ልዕሊ 146 ህጻናት ጉድኣት ኣውሪዱ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ መንጎ ዓቃብ ሰላምን ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብን ኣብ ዝካየድ ኵናት ቀንዲ ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ህጻናት ብምዃኖም፣ በሰላ ኲናት ኢልካ ጥራይ ክሕለፍ ከምዘይግባእን ተሓተትቲ ዝኾኑ ወገናት ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖምን ኣፍሊጡ።

 =================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0