ዓሚ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስጋሮም ሞይቶም ዝተባህሉ 3 ኣባላት ሓንቲ ስድራ፣ ኩነታት ኣማውትኦም ኣዘራራቢ ኮይኑ

ዓሚ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስጋሮም ሞይቶም ዝተባህሉ 3 ኣባላት ሓንቲ ስድራ፣ ኩነታት ኣማውትኦም ኣዘራራቢ ኮይኑ

Radio Erena: 13 February 2015

3fam

ኣብ 20 ለካቲት 2014 ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ዝተባህሉ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትን ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ኣሞኦምን፣ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስጋሮም ሞይቶም ንዝተባህለ ኩነታት ኣማውቶኦም ኣዘራራቢ ኮይኑ ምህላዉ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ኣቦ ‘ቶም ክልተ ቆልዑ ኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

ኤርትራዊኣቶ ክብሮም ፍቕረዝጊ፣ ጓል 15 ዓመት ጓሉ ዮርዳኖስ ክብሮም ወዲ 8 ዓመት ወዱ ሚካኤል ክብሮም ምስ ጓል 25 ዓመት ሓብቱ ኣኽበረት ፍቕረዝጊ፣ ካብ ኤርትራ ብመንገዲ ትኹል- ደምበ ኳዅቶ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ እቶም ካብ ኤርትራ ዘስገርዎም ሰባትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐበሎም ጎይትኦም ብርሃነ ዘምህረት ዝተባህለ ሚሊሻን ኣብ ፈለማ እኳ እንተረጋገጽሉ፣ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ 20 ሚያዝያ 2014 ግና ሞይቶም’ዮም ዝብል ሃንደበታዊ መርድእ ከምዝመጾ ገሊጹ።

ክብሮም ነቲ ኣሰንባድን ኣሻቓልን ኩነታት ናይቶም ፈለማ ብሰላም ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም ድሒሩ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሞይቶም ዝተባህሉ ክልተ ደቁን ሓብቱን ብኣካል ንምጽራይ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ነቶም ፈለማ ተቀቢልናዮም ዝበሉ ኣካላት ድሕሮም ድማ ከዝሞቱን ሬሳ ኣብ ጎበይዝጊ ዝተባህለ ቁሸት ዓዲ ሰለስተ ቀቢርና ንዝበሉን ኢትዮጵያውያን ነበርቲ ምምሕዳር ዓዲ ዋዕላ ኣብ ዘዘራረበሉ ንሓድሕዱ ዝጋጮን መርትዖ ዘይብሉን መልሲ ከምዝሃብዎን’ዩ ዝሕብር።

ንኩነታት ኣማውትኦም ብዝምልከት ብዝብኢ ተበሊዖም ክኾኑ ይኽእሉ ዝብል መልሲ እኳ እንተሃብዎ፣ ደቁን ሓብቱን ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ክዳውንቲ ኣብ ዘረከብሉ ግዜ ግና ኣብቲ ክዳውንቲ ዝኮነ ናይ ዝብኢ መጥቃዕቲ ዝመስል ኣሰር ከምዘይብሉ ክብሮም የረድእ።

ኣብ ጎበይዝጊ ዝተባህለ ጎቦ ዝተቐብርሉ ቦታን ሬሳ ደቁን ሓብቱን ብኣካል ክርኢ ኣብ ዝሓተተሉ’ውን፣ ድሕሪ ብዙሕ ዘይብቁዕ ምኽንያታት ሓንቲ ሽክና ናይ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ዝሞተ ሰብ ኣብ ዝጸንሓ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ከምዘርኣይዎ’ዩ ዝገልጽ።

ክብሮም ብዛዕባ’ቶም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም ሰጊሮም ዝተባህሉ ድሕሩ ድማ ከምዝሞቱ ዝተነግሮ ደቁን ሓብቱን ንምጽራይ ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብፍላይ ፈለማ ነቲ መርድእ ምስ ዝነገረ ንጉሰ ዝተባህለ ፖሊስ ነቁጣ ናይ ምምሕዳር ዓዲ ዋዕላ ዘካየዶ ርክባት’ውን ዘዕግብ ፍረ ከምዘይረኸበሉ ሓቢሩ።

ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ካብ ልሳኖም ንምስማዕ ድማ ናብ ኢትዮጵያዊ ሚሊሻ ኣቶ ጎይቶም ብርሃነ ዘምህረት ቴሌፎን ብምድዋል ኣብ ዘዘራረብናሉ፣ ካብ ፈለምኡ ነቶም ቆልዑ ከምዘይተቀበሉን፣ ክብሮም ብዝሓተቶ መሰረት ደሃዮም ኣብ ንምጥያቕ ኣብ ዝተበግስሉ ከኣ ኣብ ጎቦይዝጊ ዝተባህለ ቦታ ሞይቶም ዝብል ሓበሬታ ጥራይ ከምዝረኸቡን’ዮም ዝዛረቡ።

ኣቶ ጎይትኦም፣ ኣብቲ ንሬድዮ ኤረና ዝሃብዎ ቃል፣ ክብሮም ነቲ ኩነታት ብኣካል ንምጽራይ መጺእሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ነቲ ጉዳይ ከምዝተረዳድእሉን ፖሊስ እቲ ከባቢ’ውን ምትሕብባር ከምዝገበረሉን’ዮም ዝገልጹ።

እንተኾነ ኣቶ ጎይቶኦም፣ ነቶም ክልተ ቆልዑን ሓንቲ መንእሰይን ከምዘይተቐበልዎምን፣ ሞይቶም ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቦም ይኹን ድሕሪኡ’ውን ነቲ ተቐቢሮምሉ ዝተባህለ ቦታ ብዓይኖም ከምዘይርኣዩን ይጠቕሱ።

እቲ ኩነታት ዝያዳ ምክትታልን ምጽራይን ዝሓትት እኳ እንተኾነ፣ ምምሕዳራት እቲ ከባቢ ስለምንታይ ኣቐዲሞም ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንዝምልከቶም ብዝግባእ ከምዘይሓብሩ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ኣብ ስደት ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኣቐዲመን ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ፣ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ዝብል ወረ ከምዝተዘርግሐ ዝሓበረ ክብሮም፣ ነዚ ሓቕነት ዘይብሉ ዘይተጻረየ ሓበሬታ መን ከምዝሃቦም’ውን ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ጠቒሱ።

ክልተ ደቁን ሓብቱን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም ከምዝሰገሩን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረከብዎም ሰባት ከምዘረጋገጽሉ ድሕሩ ግና ብዝብኢ ተበሊዖም ይኾኑ ዝብል ሰንኮፍ ሓበሬታ ጥራይ ከምዝሃብዎን ካብ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ኩነታት ንምጽራይ ዝኾነ ዘተባብዕ ግተበግሶ ብዘይምርኣዩን ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኣመሪካ ተመሊሱ ዘሎ ክብሮም፣ ብዛዕባ ሃለዋት ክልተ ደቁን ሓብቱን ዝፈልጥ እንተሎ ወይ ድማ ክተሓባበሮ ዝኽእል ኣካል እንተሎ ካብ ኤርትራውያን ይኩን ኢትዮጵያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ሓገዝ ይሓትት ኣሎ።

======================================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0