ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ፕረዚደንት ሩስያ ክእሰር ትእዛዝ ሂቡ

Radio Erena: 19 March 2023

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ICJ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዩክሬይን ብዝተፈጸሙ ምስ ህጻናት ዝተሓሓዙ ገበናት፡ ተቐይዱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንኽቐርብ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ።

እቲ ቤት ፍርዲ ፕረዚደንት ፑቲን፤ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ተኸቲሉ፡ ዩክሬይናውያን ህጻናት ናብ ሩስያ ብሓይሊ ክዕግዙ ከም ዝተገብረ ብምግላጽ`ዩ፡ ፈጻሚ ናይዚ ገበን ንዝበሎ ፑቲን ተኣሲሩ ክቐርብ በይኑ ዘሎ።

ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ካሪም ክሃን ኣብ ዝሃቦ ቃል “ህጻናት ከም ግንዖ ምርኮ ኲናት ክቑጸሩ ኣይግባእን” ብምባል፡ ፕረዚደት ፑቲን ኣብ መጋብኣያ ናይ ምቕራብ ኣጋጣሚ ሰፊሕ ከም ዝኾነ ኣስሚርሉ።

ኣባል ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዘይኮነትን፡ ነቲ ትካል ኣፍልጦ ዘይትህብን ሩስያ፡ ሰራዊታ ኣብ ዩክሬይን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኣካዪዶም ዝብል፣ ክቐርበላ ንዝጸንሐ ክስታት ክትነጽግ ጸኒሓ`ላ።

እቲ ውሳነ ነቶም ካብ ዶንባስክ ዝተባህለ፣ ሩስያ ክፋለይ ኮይኑ እትብሉ ከባቢታት ተወሲዶም፡ ምስ ሩስያውያን ስድራቤታት ክዓብዩ ዝግበሩ ዘለዉ ዘኻትም ህጻናት ዘመልከተ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ተንተንቲ ይገልጹ።

ወኪል ሩስያ፡ እቲ ውሳነ ንምስምዑ ዘገርምን ዘቅቡልን እዩ ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ዩክሬይን ቭላድሚር ዜለንስኪ ግን ታሪኻዊ ክብል ንኢድዎ።

ብዘይካ ፑቲን፡ ተሓባባሪት እያ ንዝተባህለት ኮምሽነር መሰል ህጻናት ሩስያ እውን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ወጺኡዋ ኣሎ።

ፑቲን ተኣሲሩ ናብ መጋብኣያ ክቐርበሉ ዝኽእል ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ዝገልጹ ክኢላታት፡ እዚ ውሳኔ ካብ ግብራዊ ትርጉሙ ንላዕሊ፡ እቲ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ይዓቢ ክብሉ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0