ዑመር ኣልበሽር፣ ብብልሽውና ናይ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ፣ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

Radio Erena: 15 December 2019

ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ዑመር ኣልበሽር፣ ብብልሽውና ናይ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ፣ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ኣልበሽር ሕጊ እታ ሃገር ዘየፍቅዶ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ገዝኡ ምቕማጡን፣ ብውልቁ ክጥቀመሉ ምጽንሑን፣ ቀዳማይ ካብቲ ቀሪቡሉ ዘሎ ተኸታታሊ ክስታት ሓደ እዩ።

ነቲ ጉዳይ ክከታተል ዝጸንሐ ላዕለዋይ ዳኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣልበሽር ሒዙዎ ዝተረኽበ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክህገር፣ ንሱ ከኣ ንክልተ ዓመታት ብጽኑዕ ክእሰር ፍርዱ ከምዝሃበ ገሊጹ።

ኣብቲ ዝቕጽል ተኸታታሊ ክስታት፣ ማለት፣ ቅትለት ሰልፈኛታት፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ዳርፉር፣ እምባታት ኑባን ብሉ ናይልን፣ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ፣ ምስቓይን መግረፍትን፣ ምስዋር ዜጋታትን ዝኣመሰሉ ካልኦትን ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፣ ክሳብ ናይ ሞት ዝበጽሕ ፍርዲ ክብየነሉ ምዃኑ፣ ክኢልታት ሕጊ እታ ሃገር ይገልጹ።

ጠበቓታት ኣልበሽር፣ እቲ ዝተዋህበ ብይን፣ ፖለቲካዊ ደኣ’ምበር ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል ተቓውሞኦም ንምግላጽ፣ መስርሕ ፍርዲ ከይተዛዘመ ካብቲ ኣዳራሽ ከምዝወጹ፣ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢረን። ድሮ ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣቕሪቦም ምህላዎም እውን ይግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0