ሕቡራት ሃገራት፣ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንምሽምጋል ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወስደ ተበግሶ ሕቡራት ሃገራት ሞጊሱ

Radio Erena: 22 November 2020

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተወለዐ ውግእ ንምሽምጋል ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወስደ ተበግሶ ሕቡራት ሃገራት ሞጊሱ።
ብኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፖዛ ዝተረቑሑ ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ነበር፣ ነዚ ክልተ ሳምንታት ኣሕሊፉ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ደው ንምባል ክሰርሑ ምዃኖም እዩ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ።
እንተኾነ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ነቲ ናይ ሽምግልና እማመ ከምዘይተቐበሎ እዩ ኣፍሊጡ። ወግዓዊ ልሳንን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያን ግና ነዚ ብዝምልከት እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ሰዓት ዝኾነ መብርሂ ኣይሃቡሉን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፣ ንኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነቲ ተበግሶ ምውሳዱ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከኣ፣ እቲ መስርሕ ከምዝሳለጥ ምግባሩ፣ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ውግእ ብዓወት ይምርሽ ከምዘሎን ከተማ መቐለ ንምቁጽጻር ዝተረፎ ከምዘይብሉን እዩ ዘመልክት። ብወገን ትግራይ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ብኣንጻሩ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ከቢድ ክሳራታት ይስከም ከምዘሎ ይገልጽ።
ኣብ ክልቲኦም ወገናት ዝወርድ ዘሎ ሰብኣዊ ክሳራታት ዛጊት ብሳልሳይ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን። እንተኾነ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ሞት፣ መቑሰልትን ምምዝባልን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ኣህጉራውያን ትካላት ይገልጻ።
ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሰጊሮም ዘለዉ ዜጋታት ኢትዮጵያ ድሮ ናብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደዪቡ ብምህላዉ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ረዲኤት ክግበር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ክልቲኦም ወገናት፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ንሓድሕዶም እዮም ዝካሰሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0