ውድብ መግቢ ዓለም፣ ህወሓት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ዘሚቱ፣ ክብል ይኸስስ

Radio Erena: 26 August 2022

ህወሓት፣ ንህዝባዊ ረዲኤት ዝተኸዘነ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ዘሚቱ፣ ክብል ውድብ መግቢ ዓለም ከሲሱ።

ኣቦ ወንበር’ቲ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙስ 25 ነሓሰ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፣ ሓይልታት ትግራይ 570 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ዘሚቶም ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ እቲ ተኸዚኑ ዝነበረ ነዳዲ፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጽጻሕ ክውዕል ተመዲቡ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ተዘሚቱ ዝበሃል ዘሎ ነዳዲ፣ ናብቲ ዝተመደበሉ መዓላ ምንእንቲ ክውዕል፣ ብቕጽበት ናብ ውድብ መግቢ ዓለም ክምለስ ጸዊዑ።

ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ሕጽረት ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ጠለባትን ዝርከብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ነዊሕ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዝኣተዎ ረዲኤት ክባጻሓሉ ካብ ዘይከኣለሉ ምኽንያታት ሓደ፣ ዋሕዲ ቀረብ ነዳዲ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ደርቂ ኣጋጢሙ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ፣ ዓጸቦ ከጋጥመሉ ዝኽእል ምልክታት ይረአ ከምዘሎ ትካላት ረዲኤት የጠንቅቓ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0