ኣብ መንጎ ምልሻ ሑቲን መንግስትን ሳልሳይ ዙር ዘተ ክካየድ እዩ

Radio Erena: 28 August 2022
ንመተሓላለፊ መስመር ከተማ ጣይዝ ናይ የመን ብዝምልከት ኣብ መንጎ ምልሻ ሑቲን መንግስትን ሳልሳይ ዙር ዘተ ክካየድ እዩ።
እቲ ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ከተማ ዓማን ናይ ዮርዳኖስ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ፣ ሑቲ፣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ሓያሎ እማመታት ክነጽግ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ።
ኣብዚ ኣኼባ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ እንተበጺሖም፣ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ክናዋሕ፣ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዝኽፈለሉ መንገድታት ክርከብ፣ ካብ ሰንዓ መዓርፎ ነፈርቲ ዝካየድ በረራታት ክውስኽ፣ ካብ ወደብ ሖደይዳ ናይ ነዳዲ ምትሕልላፍ ዓቐን ክውስኽ፣ ዝብሉ ዕድላት ዝኸፍት ከምዝኾነ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ኣቐድም ኣቢሉ፣ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ የመን፣ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ቀጻሊ ዘተታት ከካዪድ ከምዝቐነየ፣ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።
ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ኣኼባታት፣ ኣብ ከተማታት ሖደይዳ፣ ጣይዝ፣ ሓጃ፣ ሳዓዳ፣ ኣል-ጃዋፍን ማሪብን ብምልሻ ኣልሑቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግፍዕታት ዘተኮሩ ምንባሮም ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0