ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም የንቖልቁል፣ ኣብ ኤርትራ መመሊሱ ይሰኣን

ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም የንቖልቁል፣ ኣብ ኤርትራ መመሊሱ ይሰኣን

Radio Erena: 26 April 2016

oil

ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም መመሊሱ የንቆልቅል።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ትሕቲ 28 ዶላር ይሽየጥ ምህላዉ ኣብ ንግዲ ዘተኩራ ማዕከናት ዜና የመልክታ።

እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ተራእዩ ዘሎ ምንቑልቛል ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ኣብዚ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ካብ ዝተራእየ እቲ ዝተሓተ’ዩ።

ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ልዕሊ 100 ዶላር ንበርሚል እኳ እንተጸንሐ፣ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ግና ብሃንደበት እናንቆልቆለ’ዩ ናብ ትሕቲ 28 ዶላር ንበርሚል ወሪዱ ዘሎ።

 

ጠንቂ’ዚ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ቁጠባውን ትንታነተ ይወሃቦ እኳ እንተሎ፣ ኣውራ ግነ ብሰንኪ ኣብተን ነዳዲ ብብዝሒ ዘፍርያ ከም ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራን፣ ሩስያን ቬኔዙዌላን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

ዋጋ ነዳዲ ካብዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ምንቁልቋል ዝሓሸ ምርግጋእ ከርኢ ተንተንቲ ቁጠባ ይትንበዩ ክትንበዩ እኳ እንተጸንሑ፣ በንጻሩ ግና ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ ኣብዘን ሰለስተ ኣዋራሕ ጥራይ ናይ 5 ዶላር ምንቁልቋል ኣርእዩ ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም፣ ነዳዲ ብሕሱር ዋጋ ዝሽየጠላ ሃገር ቱርኪሚኒስታን ክትከውን እንከላ፣ ዝኸበረ ዋጋ ነዳዲ ዘለዋ ሃገር ከኣ ኤርትራ ምዃና ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ዝተኻየደ መጽናዕታት የመልክት።

ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ኣብ ዝወርደሉ እዋን’ውን እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ዋጋታት ነዳዲ ክውስኽ ደኣ’ምበር ክጎድል ኣይርአን’ዩ።

ብፍላይ ከም ናፍታን ላምባን ዝኣመሰሉ ጽራያት ነዳዲ ኣብ ኤርትራ ብስሩዕ ካብ ዘይህልዉ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።
==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0