መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዕዳጋታት ከብትን ጤለ–በጊዕን ንዝንቀሳቀስ ባጤራ ናቕፋ ንምቁጽጻር ይሰርሕ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዕዳጋታት ከብትን ጤለ–በጊዕን ንዝንቀሳቀስ ባጤራ ናቕፋ ንምቁጽጻር ይሰርሕ

Radio Erena: 26 April 2016

Edaga

ዋሕዲ ኣብ ዕዳጋ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ባጤራ ዝፈጠሮ ጸቕጢ፣ ኣብ ቅንያት ፋሲካ ናብ ዕዳጋ ናይ ዝቐርባ ዘለዋ ከብቲን ጤለ-በጊዕን ብዝሒ ብኣሉታ ጸልይዎ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ህዝቢ፣ መዓልታዊ ንዘህልኾ ቀንጠ መንጢ እንተዘይኮይኑ፣ ንውራያት ይኹን ሃይማኖታዊ በዓላት፣ ተወሳኺ ሸመታ ንምክያድ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ምህላዉ ኣቐዲሙ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ፋሲካ ንምብዓል ህዝቢ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ከኣ፣ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ናብ ዝበኣሰ ደረጅኡ ብምውራዱ፣ ንዕዳጋ ከብትን ጤለ በጊዕን ብኣሉታ ተጸልዩ ይርከብ።

 

ኣብ ርእሲ’ኡን’ውን፣ ወነንቲ ከብትን ጤለ- በጊዕን ንመሸጣ ናብ ዕዳጋ ሒዞመን ናይ ዝወርዱ ጥሪት፣ ብዝሒን ዝሸጥሉ ዋጋን ኣታዊታቶም ክሕብሩ ይግደዱ ምስ ምህላዎም፣ ነቲ ዕዳጋ ኣሰናኺልዎ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።

ድሩት ምንቕስቓስ ባጤራ ናቕፋ፣ ንዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ናብ ኣስታት ፍርቂ ኣውሪድዎ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ናቕፋ ጥራይ ዘይኮነ ሃለኽቲ ነገራት’ውን ጠቕሊሉ ናብ ዝሰኣነሉ ደረጃ ይወርድ ኣሎ።

እዚ ናይ ባጤራ ናቕፋ ኩነታት፣ ኣብ ህዝቢ ናብ ከቢድ ጸቕጥን ሻቕሎትን ፈጢሩ ምህላዉ ተዓዘብቲ ንሬድዮ ኤረና የመልክቱ።

ህዝቢ፣ ንመዓልታዊ ምንቕስቓሳቱ ዝኸውን ባጤራ ናቕፋ ካብ ባንክ ንምውጻእ’ውን ኣብ ባንክታት ኣብ ሪጋ ከምዝሓድር እቶም ተዓዘብቲ ብተወሳኺ ይጠቕሱ።
=================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0