ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ብምንቁልቋሉ፣ ቁጠባ ሱዳን ብከቢድ ክጽሎ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ኣይ.ኤም.ኤፍ. ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ብምንቁልቋሉ፣ ቁጠባ ሱዳን ብከቢድ ክጽሎ ምዃኑ ሓቢሩ።
    ደቡብ ሱዳን 75 ሚእታዊት ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ ሒዛ ናጽነታ ድሕሪ ምእዋጃ፣ ኣብ ሱዳን ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን’ዚ ቁሩብ ምምሕያሽ’ኳ እንተርኣየ፣ በዚ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ሱዳን ቁጠባኣ ዳግማይ ናብ ቁልቁል ክሽመም’ዩ ክብል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣጠንቂቑ።

    ብሰንኪ’ዚ ንሱዳን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላትን ከም ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራትን፣ ንግዳዊን ፋይናንስያዊን ርክባተን ክገትኣ ተገዲደን ከምዘለዋ ተሓቢሩ።
    ብኻልእ ወገን ደቡብ ሱዳን እተፍርዮ ነዳዲ ከተጉድሎ ምዃና ኣጠንቂቓ። ሚኒስተር ፋይናንስ ደቡብ ሱዳን ዳቪድ ደንግ ኣቶርቤ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ተኹሲ ደው ኣቢሎም ስምምዕ ሰላም እንተዘይፈሪሞም፣ ምህርቲ ነዳዲ ከምቲ ዘለዎ ክቕጽል ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።
    ንሱ ብተወሳኺ እታ ሃገር ዘለዋ ዕቑር ሃብቲ፣ ኣብቲ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝካየደ ዘሎ ኲናት ይጠፍእ ስለዘሎ፣ ብእዋኑ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ ተግባራዊ ክኸውን ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0