ብው.ሕ.ሃ. ዝቖመት ኮሚሽን ተወሳኺ ዕማም ንምስላጥ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ተዋሂቡዋ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንኸተጻሪ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ኮሚሽን ተወሳኺ ዕማም ንምስላጥ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ተዋሂቡዋ።
    እታ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ መንግስቲ ኤርትራ ብስዉርን ብግሁድን ርኡይ ምግሃስ በበይኑ ዓይነት መሰላት የካይድ ከምዘሎ ሓቢራ’ያ።

    እታ ኮሚሽን ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ፈጺሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ኣመታት ብምሃባ፣ ነዚ ዕማም’ዚ ከተጻርይ እያ ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ግዜ ተዋሂቡዋ ዘሎ።
    እቲ ውሳኔ ኣብ ዝሓለፈሉ ኩለን ኣባል ሃገራት ብሓደ ድምጺ ከምዘጽደቖኦ ካብ ጀነቫ ዝተመሓላለፈ ዜና ይሕብር።
ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ዕማም’ዛ ኮሚሽን፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ መሰላት ደቂ ሰብ ኣበየናይ ጠርዙ ናብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይሰግር ከምዘሎ፣ ምሉእ ተሓታትነት ናይቲ ገበን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክትምርምር እያ።
    ከምዝፍለጥ ነዚ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንብምሉኡ ኣይተቐበሎን። እንተኾነ ኣባላት’ዛ ኮሚሽን ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ስርሖም ምሉእ ምትሕብባር መንግስቲ ኤርትራ፣ እንተላይ ናብ ኤርትራ ኣትዮም መጽናዕቶም ከካይዱ ሓቲቶም ኣለዉ።
    ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ዝፈጸሞም ገበናት ዘጻረየት ኮሚሽን ኣብ ጸብጻባ፣ ትካላት ፖሊስ፣ ሚኒስትሪ ምክልኻል፣ ሚኒስትሪ ፍትሒን ፕረዚደንት ኢሰያስ ንገዛእ ርእሱን ቀንዲ ተሓተትቲ ጌራ ኣቕሪባቶም ኣላ።
    እዚ ኣስታት 500 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን፣ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፣ ናብ ሓፈሻዊ ባይቶ’ቲ ውድብን ተላኢኹ ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደሉ ምዃኑ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0