ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ቱርኪን ጽባሕ ክኽፈት’ዩ

Radio Erena: 16 December 2021

ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ቱርኪን 17ን 18 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብቲ፣ ዕድላት ወፍርን ንግድን ንምኽፋት ዝዓለመ’ዩ ዝተባህለ ዋዕላ ኣስታት 20 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፉ ትጽቢት ኣሎ።

ቱርኪ፣ ካብዚ ንሳልሳይ እዋን ዝወደበቶ ዋዕላ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ንግድን ወፍርን ኣንቢራቶ ዘላ ጠመተ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ፖለቲካውን ወትሃደራውን ጽልዋኣ ንምዕባይ’ውን ትህቅን ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ኣብ ሶማልን ሊብያን ሰራዊት ኣዋፊራ እትርከብ ቱርኪ፣ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ናይዛ ኣህጉር’ውን ብተመሳሳሊ ወትሃደራዊ ህላዌኣ ንምውሓስ’ያ ትውጥን።

ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ቻይና፣ ጃፓን፣ ህንዲን ሩስያን ረብሓታተን ንምውሓስ፣ ብስም ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ሰራዊተን ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዋፊረን ይርከባ።

ቱርኪ’ውን ኣሰር እዘን ሃገራት ብምስዓብ፣ ህላዌኣ ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕባይ፣ ብጉልባብ ንግድን ወፍሪን፣ ዝምድና ንምሕያል ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ የረድኡ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Arlae 2 years ago

    Eway africa zrekebeto mexawti 1y alem koyna terifa