ኣኽባሪት ሕጊ ፓሪስ፣ መንነት ናይ’ቶም ናብ ብሪጣንያ ኣብ ምስጋር ዝጠሓሉ 26 ሓተቲ ዑቕባ ዘርጊሓ

Radio Erena: 16 December 2021

ኣኽባሪት ሕጊ ፓሪስ፣ መንነቶም ናይቶም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ብ24 ሕዳር ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሞቱ 26 ሓተቲ ዑቕባ ዘርጊሓ።

ቤት ጽሕፈት እታ ኣኽባሪት ሕጊ ብ14 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ ዝርዝር፣ ካብቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ብናይ ጎማ ጃልባ ተበጊሶም፣ ነዊሕ ርሕቀት ከይከዱ ዝጠሓሉ ሓተቲ ዑቕባ፣ ክልተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ሰለስተ ኢትዮጵያን፣ ክልተ ሶማላውያን ደቂንስትዮ፣ ሓደ ግብጻዊ፣ ኣርባዕተ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን፣ ሓደ ኢራናዊ፣ 16 ድማ ዒራቓውያን ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ኣርባዕተ ካብቶም ዒራቓውያን ደቂንስትዮ ክኾና እንከለዋ፣ ሓደ ወዲ 16 ዓመት ትሕቲ ዕድመን ሓንቲ ጓል 7 ዓመት ቆልዓን ይርከብዎም።

መብዛሕኦም እቶም ግዳያት፣ ካብ 19 ክሳብ 49 ዓመት ዝዕድሚኦም’ዮም።

ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ብናይ ጎማ ጃልባ ተበጊሶም ናብ ብሪጣንያ ንምእታው ዝፈተኑ 31 ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት፣ ብ24 ሕዳር ጥሒሎም ከምዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ፣ ዛጊት ናይቶም 26 መንነት ክንጸር ክኢሉ ኣሎ።

ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ካብ ጎማ ብዝተሰርሓ ጀላቡ ተጠቒሞም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ፈቲኖም ናይ ዝጥሕሉ ሰባት መቓብር ክኸውን ኣይንፈቅድን ኢና ክብል ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብቲ እዋን እቲ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ካብ ዝተኣኻኸቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፣ እቶም ልዕሊ 18 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ እንከለዉ፣ ኣስታት 7 ሽሕ ድማ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ካብ ማእከል ባሕሪ ተመሊሶም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0