ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ብዝፈጠሮ ጽልዋ፣ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ትሕቲ 20 ናቕፋ ይሽረፍ ኣሎ

ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ብዝፈጠሮ ጽልዋ፣ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ትሕቲ 20 ናቕፋ ይሽረፍ ኣሎ

Radio Erena: 01 April 2016

Nakfa

ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ብዝፈጠር ጸቕጢ፣ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ትሕቲ 20 ናቕፋ ይሽረፍ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ተራእዩ ዘሎ ሕግታት ዕዳጋ ዘይተኸተለ ምንቑልቋል መጠን ሸርፊ፣ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ዝፈጠሮ ምስ ምዃኑ ንመጻእ ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ተንተንቲ ቁጠባ የጠንቕቑ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ምቁልቋል መጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊ፣ ናብቲ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበረ መጠን ሸርፊ’ዩ ኣውሪድዎ ዘሎ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናቕፋ፣ ብመንግስቲ ተታሒዙ፣ ዝንቀሳቐስ ባጤራ ካብ ምውሓዱ ንላዕሊ ዝፈጠሮ ጽልዋ ብምዃኑ፣ ኣብ ዕዳጋታት ነውጺ ክፈጥር ይረአ ኣሎ።

ብፍላይ ንመገሻን ካልእን ብዝሒ ዘለዎ ባጤራ ናቕፋ ዘድልዮም ኤርትራውያን፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ነፋሪት ትኬት ንምግዛእ ይጽግሙ ምስ ምህላዎም፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ትኬት ተዓዲጉ ክስደደሎም ይሓቱ ከምዘለዉ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

 

ቅድሚ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ 1 ዶላር ኣመሪካ ልዕሊ 50 ናቕፋ ይሽረፍ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

መንግስቲ ብጉልባብ ምቕያር ናቕፋ፣ ንዝበዝሀ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ባንክ ድሕሪ ምዕሻጉ ግና፣ ዝንቀሳቀስስስ ናቕፋ ስለዝወሓደ መጠን ሸርፊ እናጎደለ ክመጽእ ጸኒሑ።

ንባጤራ ናቕፋ ኣብ ባንክ ብምዕሻግ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ፍኑይ ዋሕዚ ባጤራ ናይ ምቁጽጻር መስርሕ፣ ከም ምጉዳል ዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ዝኣመሰለ ግዝያዊ ዝርኣዩ ረብሓታት ክህልዎ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ ንመጻኢ ግና ከቢድ ቁጠባዊ ሃስያ ከስዕብ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ምግላጾም ኣይርሳዕን።

ድሩት ምንስቓስ ባጤራ ናቕፋ ዝፈጠሮ ናይ ዕዳጋ ልኽስክስ፣ ዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ብሎሊ ፍርቂ ክጎድል እንከሎ፣ ህዝቢ ብሰንኪ ገንዘብ ምስኣኑ ዘህልኾ መጠነ ብምቕናሱ’ውን ኣብ ሓያሎ ብሕታውያን ጽላታት ጽልውኡ ይርአ ኣሎ።

ብሰንኪ’ዚ ጽልዋ’ዚ ከም ኣብያተ ሻሂን ኣብያተ ምግብን ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ብሕታውያን ትካላታ፣ ዓማዊል እናሰኣና፣ ናብ ምጥፋሽ ገጸን የምርሓ ብምህላወን፣ ሰራሕተኛታት ክሰጓን፣ ገሊኤን ከኣ ጠቕሊለን ክዕጸዋን ይርኣያ።

ህዝቢ ክቕየር ኢሉ ናብ መንግስቲ ንዘረክቦ ገንዘብ ካብ 3 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከውጽእ ኣይፍቀዶን’ዩ።

ከም ገዛ፣ መኪናን ካልእን ዝኣመሰለ ንብረት ክሸጡ ይኹኑ ክዕድጉ ዝደልዩ ከኣ፣ በዚ ብባንክ ጥራይ ከምዝትግበር ዝተገልጸ ምስግጋር ገንዘብ ከካይድዎ ከምዝኽእሉ ይንገሮም እኳ እንተሎ፣ ክንቀሳቀስ ንዘይክእል ገንዘብ ንብረት ምሻጥ ኣስጊእዎም ምህላዉ ዝዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ይጠቕሱ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0