ዋሕዚ ስደተ ኤርትራውያን ብማእከላይ ባሕሪ ሕጂ’ውን ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ

ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ኢጣልያን ማልታን ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ጥራት ኣስታት 400 ስደተኛታት ዝጸዓና ሰለስተ ጀላቡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዘድሓነ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

 

እታ ቀዳመይቲ ጃልባ፣ ሓሙሽተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 41 ዜጋታት ጋናን ናይጀርያን ዝጸዓነት ምንባራ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ እታ ካልኣይቲ ድማ 133ኤርትራውያንን ሶርያውያንን ጽዒና ምንባራ ጠቒሶም።

እታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓነት ሳልሰይቲ ጃልባ ድማ ኣስታት 200 ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ እኳ እንተገለጹ፣ ዜግነትቶም ግና ኣትሓበሩን።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ባሕሪ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ኣብ ምክትታል ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ትጽቢታ ንላዕሊ ኮይኑ ምህላዉ እትጠቕስ ኢጣልያ፣ ኣብ ጉዳይ’ቶም ካብ ባሕሪ ድሒኖም ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢታት ዝርከቡ ኣሽሓት ስደተኛታት ምስ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ሊብያን ክትዘራረብ ከምእትደሊ’ያ ትገልጽ።

ኣብዘን ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ጥራይ ቁጽሪ ናብ ኢጣልያ ውሒዞም ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ኣስታት 30 ሽሕ ይጸጋጋዕ ከምዘሎ’ዩ ጸብጻብ እታ ሃገር ዘመልክት።
ካብዚ ቁጽሪ ድማ እቲ ኣስታት 10 ሽሕ ናይ ኤርትራውያን ምዃኑ ይንገር።
=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0