ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ተሓቢሩ

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ኣስታት 185 ኣመንቲ ፕሮቴስታንት ክርስትና ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ፣ ረሊዝ ፓርትነርስ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

 

እቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣብ ዝርከብ ከባቢ ማይተመናይ- ኣስመራ ኣብ ኣብ ጸሎት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ 185፣ ናበይ ከምዝተወስዱ ዝተረጋገጸ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ ሓያሎ ካብእቶም ግና ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከምዘለዉ ይዝረብ።

ኣብ ኣስመራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓፈሻ ጽዑቕ ግፋ ከምእተኻየደ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ እዚ ምእሳር ናይዞም ኣብ ሓደ ገዛ ኣብ ጸሎት ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስትና ግና ካብዚ ዝተፈልየ ምዃኑ’ዩ ዝሕበር።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0