“ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ፣” ፕረዚደንት ፈረንሳ

“ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ፣” ፕረዚደንት ፈረንሳ

Radio Erena: 12 November 2015

Fre

ካብ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ፖለቲካዊ ጻዕሪ ከምዘድልዮ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ፍራንስዋ ሆላንድ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ነዚ ዝገለጸ፣ ካብ 11 ክሳብ 12 ሕዳር ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ርክባት፣ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ከምዘድልዮ ብምጥቃስ፣ ነዚ ንምቕያር’ውን ዲፕሎማሲ ከምዝሓትት’ውን ኣረዲኡ።

 

ኤርትራ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ናብ ስደት፣ “ዜጋታታት ትስእን ኣላ” ዝበለ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከኣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ማእሰርትን ምዃኑ፣ ንጸብጻብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምጥቃስ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሑ ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ፈረንሳ ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ብሬድዮ ኤረና ተደጋጋሚ እዋን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ኣስታት 65 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ፈረንሳ ን15 ሽሕ ጥራይ ዑቕባ ክትህብ እንከላ፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብዚኣቶም ኤርትራውያን ምዃኖም ሰነደ ክፍሊ ስደተኛታት እታ ሃገር የረድእ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ፈረንሳ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ኣውራ ካብ ዘዘራርብ ጉዳይ’ዩ።

ፈረንሳ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ፕረዚደንት ተሪር መግለጺ ከተሕልፍ እዚ ናይ መጀመርያ እዋና’ዩ።

ኣብቲ ካብ 11ን 12 ሕዳር ኣብ ማልታ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳተፍ ብዘይምኽኣሉ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምውካል ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑሳማን ሳልሕ ዝተመርሐ ልኡኽ’ዩ ተሳቲፉ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0