ኣብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ፣ ተኣታትዩ ዝነበረ ብዘይገምድ ዝሰርሕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ኢሉ

ኣብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ፣ ተኣታትዩ ዝነበረ ብዘይገምድ ዝሰርሕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ኢሉ

Radio Erena: 12 November 2015

Wifi

ኣብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ፣ ተኣትዩ ዝነበረ ብዘይገመድ ዝሰርሕ ናጻ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ከምዝብል ኮይኑ።

እቲ ብሓገዝ መንግስቲ ፊንላንድን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን ከምዝተኣታተወ ዝተገልጸ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኮሌጅ ማይነፍሒ፣ ብዘይ ገመድ ማለት WIFI ተማሃሮ ኣብ ሞባይላትን ላፕቶፕ ኮምፒተራትን ክጥቐምሉ እኳ እንተጸንሑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ደው ኢሉ ከምዘሎ፣ ገለ ካብቶም ተማሃሮ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።

ጠንቂ ምቑራጽ ኣገልግሎት WIFI ኢንተረንት ኣብቲ ኮሌጅ፣ ተማሃሮ ከም ቫይበርን ፌስቡክን ዝኣመሰለ ናይ ናጻ መራኸቢታትን ማሕበራዊ ሜድያታትን ይጥቐሙ ስለዘለዉ ምዃኑ ግምታት ይወሃቦ።

 

ተማሃሮ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ፣ እቲ ኣገልግሎት ዝተቛረጸሉ ምኽንያት ይሓቱ እኳ እንተለዉ፣ እቲ ኮሌጅ ወግዓዊ መብርሂ ኣይሃቦም።

እንተኾነ፣ ጠንቂ ምቁራጽ ናይ WIFI ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ማይ ነፍሒ፣ ቴክኒካዊ ጸገም’ዩ ዝብል ወረ ከምዝስማዕ’ውን እቶም ተማሃሮ ናብቲ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ይጠቕሱ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኢንተርነት ጽኑዕ ምቑጽጻር ዝገብራ ሃገራት ዓለም ምዃና ይፍለጥ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0