ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ብዘሰንብድ ብዝሒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ኣስታት 400 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ከምዝጠሓለት ተገሊጹ

ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ብዘሰንብድ ብዝሒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ኣስታት 400 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ከምዝጠሓለት ተገሊጹ

Radio Erena : 15 April 2015

400drowned

ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ብዘሰንብድ ብዝሒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣስታት 400 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ከምዝጠሓለት ይግለጽ ኣሎ።

ካብ ዓርቢ 10 ሚያዝያ ኣትሒዙ ክሳብ ትማሊ 30 ዝኾና ጃላቡ ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ክድሕና እንከለዋ፣ ኣብዘን ኣርባዕተ መዓልታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ናይ ዝሰገሩ ብዝሒ ስደተኛታት ድማ ኣስታት 7 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

 

ኣብዛ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሳ ከምዝጠሓለት እትግለጽ ዘላ ጃልባ ንዝነበሩ ስደተኛታት ንምድሓን ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዝተገብረ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ’ዩ ዘመልክት ጸብጻባት ዜና ኢጣልያ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዛጊት ናይ 10 ሰባት ሬሳ ጥራይ ከምዝረኸበ’ዩ ሓቢሩ።

ዜግነት ናይዞም ከምዝጠሓሉ ዝግለጽዉ ዘለዉ 400 ስደተኛታት ዛጊት ኣይተነጸረን።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0