ኣልሸባብ፣ ኣብ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ 10 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ

ኣልሸባብ፣ ኣብ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ 10 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena : 15 April 2015

Alsha10

ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያን ኬንያን ንትካላት ትምህርቲ ዒላማ ጌርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ትማሊ’ውን ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 10 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ።

እቲ ጥሩፍ ናይ ሽበራ ጉጅለ፣ ኣብ እግሪ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነታጕ ዝጸዓት መኪና ብምጽዋድ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጕ ድሕሪ ምፍንጃሩ ከኣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ነቲ ህንጻ ወሪሮም ብምእታው ናብ ዝረኸብዎ ሰብ ቶዅሲ ከምዝኸፈቱ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቶ ቦታ ኣረጋጊጾም።

 

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣልሸባብ፣ ዒላማ መጥቃዕቲ እቲ ብውድብ ሕቡራት ዝድገፍ መንግስትን ትካላቱን ምንባሩ ገሊጹ።

ብሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ኣብ ዘካየዶ ጸረ መጥቃዕቲ’ውን ቲ ሸውዓተ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ሚኒስተር ባህልን ትምህርትን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ኣብ ኬንያ’ውን ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ወሪሩ ብምእታው 147 ንጹሃት ተማሃሮ ከምዝረሸነ ኣይርሳዕን።

======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0