ዊልያም ሩቶ፣ መበል ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

Radio Erena: 14 September 2022

ኣብ 9 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብጸቢብ ዝተዓወተ ዊልያም ሩቶ፣ ትማሊ ሰሉስ 13 መስከረም፣ መበል ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ንሱ፣ ብወግዒ ፕረዚደንት ኮይኑ ኮይኑ ንዝቕጽል 5 ዓመታት ከገልግል ቃለ መሓላ ዝፈጸመ፣ ኣብ ምርጫ ምድንጋር ፈጺሙ ብዝብል ንዝቐረበሉ ክሲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ውዱቕ ድሕሪ ምዃኑ’ዩ።

ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቖፈ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ውጺኢት እቲ ምርጫ፣ ይሰረዝ ዶ ኣይፋል ኣብ ዝብል፣ ብ05 መስከረም ውሳኔ ኣብ ዝሃበሉ፣ ነቲ ብተቓዋሚኡ ራይላ ኦዲንጋ ዝቐረበ ክሲ ብምጻጝ፣ ዊልያም ሩቶ ብርትዓዊ መንገዲ ምዕዋቱ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ርምጫ 50.5% ናይ ድምጺ ድጋፍ ብምርካብ ዝተዓወተ፣ ወዲ 55 ዓመት ዊልያም ሩቶ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ንምዃን ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ ስነ ስርዓት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን ዝርከቦም መራሕቲን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲን ጎረባብቲ ሃገራት ተሳቲፎም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0