ወግዓዊ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ኣብ ምሻጥን ምዕዳግን  ምዝንባዕ ይርአ ምህላዉ ተገሊጹ

ወግዓዊ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ኣብ ምሻጥን ምዕዳግን ምዝንባዕ ይርአ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 January 2016

Keren

ወግዓዊ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣብ ምዕዳግን ምሻጥን ምዝንባዕ ተራእዩ ብምህላዉ፣ ኣብ ዕዳጋ ተወሳኺ ዘይምርጋእ ፈጢሩ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ 18 ሕዳር ዝጀመረ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣብ 30 ታሕሳስ 2015 ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ወነንቲ ትካላት ዝጸንሖም ናቕፋ ብምሉኡ ክቕይሩ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሎም፣ ተቐይሩ ኣብ ባንክ ተታሒዙ ኣሎ ዝተባህሎም ገንዘብ’ውን ከንቐሳቕሱ ብዘይምኽእሎም፣ ተወሳኺ ዘይምርግጋእን ሻቕሎትን ፈጢሩ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ይጠቕሱ።

 

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት፣ ህዝቢ ክቕየር ኢሉ ካብ ዘረከቦ ገንዘብ፣ 10 ሽሕ ጥራይ ኣብ ኢዱ ክወሃብ ስለዝተገብረ፣ ኣብ ምዕዳግን ምሻጥን ምዝንባዕ ተራእዩ ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት የረድኡ።

መንግስቲ ኤርትራ በንጻሩ፣ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕዳጋ ክረጋጋእ ምዃኑ ብካድራቱ ይጉስጉስ ኣሎ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0