ወዱ ንሙዓመር ቐዛፊ ንሞት ተፈሪዱ

ወዱ ንሙዓመር ቐዛፊ ንሞት ተፈሪዱ

Radio Erena: 31 July 2015

Saif Al Islam

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ሊብያ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ወዱ ንሙዓመር ቐዛፊ ብሞት ክቕጻዕ በይኑ።

እቲ ብ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፣ ንሰበ ስልጣን ሙዓመር ቀዛፊ ብኣካል ኣብ ዝተረኽብሉ ብይን ክህብ እንከሎ፣ ኣብ ትሕቲ ተቓወምቲ ኣብ እትመሓደር ከተማ ዚንታን ዝርከብ ወዱ ንሙዓመር ቐዛፊ ግና ፍርዱ ብናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ’ዩ ተዋሂብዎ።

ነታ ከተማ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ተቓወምቲ፣ ንወዲ ቐዛፊ ናብቲ ኣብ ትሪፑሊ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከሰጋግርዎ ዘይደለይሉ ምኽንያት፣ ኣብቲ መንግስቲ እምነት ከምዘይብሎምን እቲ ክሱስ ከይድም ካብ ምስጋእን ምዃኑ’ዮም ዝሕብሩ።

 

ኣንጻር ሙዓመር ቐዛፊ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን፣ ነቡኡ ክትክእ ትጽቢት ዝንበረሉ ዝነበረ ሰይፍ ኣል ኢስላም ሓያሎ ካብቶም ተቓወምቲ ብምቕታልን ብናይ ኵናት ገበንን ተኸሲሱ’ዩ ናብ ፍርዲ ቀርቡ።

ን41 ዓመታት ንሊብያ ዝመርሐ ሙዓመር ቐዛፊ ግና ናብ ፍርዲ ከይቀረበ ህዝቢ ጨፍጪፉ ከምዝቐተሎ ይዝከር።

ሊብያ ድሕሪ ምውዳቕ ሙዓመር ቐዛፊ፣ ኣብ ትሕቲ ሓያሎ ተቃወምቲ ተገማሚዓ ብምህላዉ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓትን ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽን ጥጡሕ ባይታ ተፈጢርሎም ይርከብ።

እዞም ጉጅለታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ብምስጋርን ምጭዋይ ሚልዮናት ዶላራት ከምዘዋህለሉን ይንገር።

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ልዕሊ 70 ኤርትራውያን ጅሆ ሒዙ ምህላዉ ይፍለጥ።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0