ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ክምውል ዝጸንሐ ኩባንያ ብሰንኪ ክሳራ ከቋርጽ’ዩ

ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ክምውል ዝጸንሐ ኩባንያ ብሰንኪ ክሳራ ከቋርጽ’ዩ

Radio Erena: 31 July 2015

MTN

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ዝርከብዎም ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ዝሓቖፈተ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ክምውል ዝጸንሐ ናይ ቴሌፎን ኩባንያ፣ ብሰንኪ ክሳራታት ነታ ጋንታ ከምዘይምውል ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምቲኤን ዝተባህለ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ካብ ዓበይቲ ወሃብቲ ኣገልግሎታት ቴሌፎን ዝኾነ ኩባንያ፣ እታ ክለብ ኣብ ቦኽሪ ሱታፌኣ ዙር ፈረንሳ 2015 ዝንኣድ ብቕዓት ኣመዝጊባ ከተብቕዕ፣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ ከምዘይምውላ ምሕባሩ ንተቐዳደምትን ኣመሓደርትን እታ ክለብ ኣሰንቢዱ’ዩ።

እቲ ኩባንያ ነዛ ሰለስተ ኤርትራውያን ዝሓቖፈት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ካብ ምምዋል ዘቋርጸሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ብሰንኪ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ተራእዩ ዘሎ ናይ ሸርፊ ምዝንባዕ ምዃኑ’ዩ ዝጠቅስ።

 

ብሰንኩ ድማ ኣታዊታቱ እናንቆልቆለ ከምዝመጸን፣ ንዝቕጽል’ውን ጽቡቕ ተስፋታት ከምዘይብሉን ብምሕባር፣ ንጋንታ ኤምቲኤን ኩቤካ ካብ ምምዋል ኣቛሪጹ።

እንተኾነ፣ እታ ጋንታ ኣብ ናይ ፈለማ ሱታፌኣ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ዘተባብዕ ውጽኢት ብምምዝጋባ ሓያሎ ኩባንያታት ንምምዋላ ኣብ ጨረታ ክኣትዋ ከምዝክእላ ተንተንቲ ስፖርት ይገልጹ።

ሓደ ካብዞም ኩባንያታት’ውን Dimension Data ዝተባህለ ክኸውን እንከሎ፣ እዛ ጋንታ ምስዚ ኩባንያ ውዕል እንተኸቲማ ስማ ካብ ኤምቲኤን ኩቤካ ናብ ዳይመንሽን ዳታ ክቕየር’ዩ።

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ዝንኣድ ብቕዓት ድሕሪ ምምዝጋቦም ቀዳም 1 ነሓሰ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኣትውሉ ህዝቢ ድሙቕ ኣቐባብላ ክገብረሎም ትጽቢት ኣሎ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0