ወኪል ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ክትሳተፍ’ዩ፣ ‘ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ኣፍሪቃን ብኣካል ዘይሳተፈሉ ምኽንያት ግና ኣይተፈልጠን’

ወኪል ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ክትሳተፍ’ዩ፣ ‘ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ኣፍሪቃን ብኣካል ዘይሳተፈሉ ምኽንያት ግና ኣይተፈልጠን’

Radio Erena: March 31, 2014

Eu Africa 2

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቤልጁም ከተማ ብራስለስ ኣብ ዝካየደ መበል 4ይ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራትን ኣፍሪቃ ንምስታፍ ዝቀረበሉ ዕድመ፣ ብምንጻግ ወኪሉ ጥራይ ክሳተፍ ከምዝሓበረ ኣምባሳደር ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዚምባብዌ ኣልዶ ደላሪቺያ ገሊጹ።

እቲ ኣምባሳደር ምስ ማዕከን ዜና ዘሃራረ ኣብ ዝገበረ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብቲ ካብ 2 ክሳብ 3 ለካቲት ኣብ ብራስለስ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ኣፍሪቃን 41 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን 23 መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳን ብድምር 64 መራሕቲ ሃገራት ምስታፎም ከረጋግጹ እንከለዉ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓደ ሓደ መራሕቲ ግና ከምዘይሳተፉ ድሮ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ክቐረብ ብዝጸንሐ ሓበሬታ፣ ኤርትራን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ዓረብ ሰሃራን ዝርከብአን ሒደት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘይሳተፋ እኳ ክግለጽ እንተጸንሐ፣ እቲ ኣምባሳደር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና ኤርትራ ክትሳተፍ ምዃና ኣረጋጊጹ።

 

ብፍላይ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብሰንኪ ዘለዋ ሕማቕ ምስሊ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ኣብ ብራስለስ ዘካይዶ ዋዕላ ከይትሳተፍ ኣጊዱዋ’ዩ ዝብል ሓበሬታ ክናፈስ’ዩ ቀንዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ ከይትሳተፍ ምኽልካሉ ክቃወሞ ጸኒሑ።
ድሕሩ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝተዘርግሐ ሓበሬታ ግና ዛጊት ኤርትራ እትርከበን 48 ሃገራት ኣፍሪቃ ምስታፈን ከረጋግጻ እንከለዋ፣ እተን 41 ብደረጃ መራሕቲ ሃገራትን’የን ክሳተፋ።

እቲ ዋዕላ ንሃገራት ኣፍሪቃ ደኣ’ምበር ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣይውክልን’ዩ ዝብለ እቲ ኣምባሳደር ብዘይካ’ዚ፣እቲ ናይ ምስታፍ ዕድመ’ውን ብደረጃ ሃገር ደኣ’ምበር ብደረጃ መራሕቲ ጥራይ ኣይኮነን ኣገዳስነቱ ክብል ኣስሚርሉ።

እንተኾነ፣ እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ዋዕላ፣ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ናይ ቀጥታዊ ዘተን ርክባትን ዕድል ስለዝፈጥር፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዋዕላ ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ንኸመሓይሻ ክጥቐማላ ዝኽእላ ባይታ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጽዎ።

ኣብ ኣህጉራውያን ዞባውን ዋዕላታት ብዙሕ ዘይሳተፍ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ፖርቱጋል ከተማ ሊስበን ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዋዕላ ሕብረት ኤውሮጵን ሃገራት ኣፍሪቃን ከምኡ ድማ ዋዕላ ፈረንሳን ሃገራት ኣፍሪቃን ከምዝተሳተፈ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ መበል ራብዓይ ዋዕላ ዘይሳተፈሉ ዘሎ ምኽንያት ግና ኣይተነጸረን።

ኣብ ክንድኡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ክሳተፍ ምዃኑ’ውን ይግለጽ።

==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0