ወኪል ባይቶ ኣመሪካ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

ወኪል ባይቶ ኣመሪካ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 01 May 2018

us and sudan

ወከል ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ከምዘካየደ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ብሉዊ ቪሰንት ጉተረዝ ዝተመርሐ ወኪል ባይቶ ኣመሪካ፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ንምፍጻም ብሰንበት 29 ሚያዝያ ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታው ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በክሪ ሓሰን ሳልሕ፣ ካልኦት ሰበ ስልጣንን ተቓወምቲ ወገናትን እታ ሃገር ተዘራሪቡ።

ወኪል ባይቶ ኣመሪካ ናብ ካርቱም ዝበጽሕ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ኣመሪካ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ምልዓላ ንፈለማ እዋን’ዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ወኪል፣ ኣብ መንጎ ዋሽንግቶንን ካርቱምን ንዘሎ ልሕሉሕ ዝምድና ብዝሓሸ ክጽገነሉ ዝኽእል ዕድላት ንምንዳይ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ልኡኽ ብዕድመ መንግስቲ ሱዳን’ዩ ናብ ካርቱም በጺሑ።

 

ኣፈኛ ባይቶ ሱዳን ኢብራሂም ኣሕመድ ዑመር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሱዳን ንልኡኽ ኣመሪካ ዝዓደመትሉ ምኽንያት፣ ንዘሎ ምዕባለታት ሱዳን ብኣካል ንኽዕዘብ ምዃኑ ጠቒሱ።

ምስ ወኪልቲ ባይቶ ኣመሪካ ናብ ሱዳን ዝበጽሐ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ክፍሊ ትሬዠሪ፣ ማርሻል ብሊንግስሊያ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኣመሪካን ናይ ባንክታት ስምምዕ ንኸይካየድ ዝኽልክል ዝኾነ እገዳታት ከምዘየለ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0