ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ 536 ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ወጺኦም

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ 536 ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ወጺኦም

Radio Erena: 01 May 2018

israel

ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 536 ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ብምውጻእ ገሊኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ ካልኦት ከኣ ርዋንዳን ኡጋንዳን ናብ ዝርከብአን ሃገራት ከምዝተመልሱ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ዋይኔት ኒውስ ሓቢሩ።

ኣብዘን ሰለስተ ኣዋርሕ ብድምር 603 ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ እንከለዉ፣ እቶም 67 ሱዳናውያን ምዃኖም’ዩ እቲ ሓበሬታ ዝጠቅስ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ሃገሩ ንምስጓግ ብዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ ካብ 2014 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 10 ሽሕ ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብታ ሃገር ወጺኦም ኣለዉ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2900 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 3400 ስደተኛታት ካብ እስራኤል ከምዝወጹ ዘመልከተ ሓበሬታ ዋይኔት ኒውስ፣ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዝተመዝገበሉ ኣብ 2014 ኮይኑ ብድምር 5800 ይበጽሕ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 26 ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 36,600 ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ከምዘለዉ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ይጠቅስ።

መንግስቲ እስራኤል ንብምሉኦም እዞም ስደተኛታት ኣብ ሓጺር ግዜ ንምስጓግ ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክሰምረሉ ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ መደብ ደው ከምዝበለ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ምግላጹ ይዝከር።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ፣ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝኾነ ጻዕርታት ከምዘይገብርን፣ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ፣ ቤት ማእሰርቲ ኾሎት ዳግም ንምኽፋቱ መደብ ከምዘለዎም ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኢሰብኣዊ ፖሊሲ ዘለዎ መንግስቲ እስራኤል፣ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ናብቲ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝኸተሞን ድሒሩ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝሰረዞን ስምምዕ ምምላስ ጥራይ ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝሰማምዑ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0