ወከልቲ ኤርትራን ቀጠረን ተዘራሪቦም

ወከልቲ ኤርትራን ቀጠረን ተዘራሪቦም

Radio Erena : 03 June 2015

eriqata

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀጠር ዓሊ ኢብራሂም ኣሕመድ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ንግስነት ቀጠር ዝተላእከ መልእኽቲ ንሚኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር ጃስም ሰይፍ ኣል ሱላቲ ኣረኪቡ።

ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ 2 ሰነ ዝተኻየደ ርክብ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራን በዓል ስልጣን ቀጠረን፣ ኣብ ጉዳትይ መጓዓዝያ ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ዝምድና ብዝምልከት ከምዝዘተዩ’ውን ማዕከን ዜና ቀጠር ጋልፍ ታይምስ ኣፍሊጡ።

 

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ ኣምባሳደር ንግስነት ቀጠር ኣብ ጅቡቲ ጃሲም ጃብር ጃሲም ሶሮር’ውን ምስ ሚኒስተር ጸዓት ጅቡቲ ዓሊ ያቆብ ማሕሙድ ከምዝተዘራረበ እቲ ማዕከን ዜና ኣረጋጊጹ።

ቀጠር፣ ንምስሓሓብ ኤርትራን ጅቡትን ንምሽምጋል ተበግሶ ዝወሰደት ሃገር ኮይና፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ምስ ሱዳን ብምዃን ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቅርራብ ትጽዕር ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ልኡኽ ንግስነት ቀጠር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምክያድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ከምዝተዘራረበ ይዝከር።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0