ፖሊስ ፈረንሳ፣ ኣብ ፓሪስን ካሌን ንዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት በቲኖም

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ኣብ ፓሪስን ካሌን ንዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት በቲኖም

Radio Erena : 02 June 2015

French police

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ከተማታት ፓሪስን ካሌን ንዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት በቲኖም።

በቲ ትማሊ ሰሉስ 2 ሰነ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ- ላ ሻፔል ኣብ ዝተባህለ ዝተኻየደ ስደተኛታት ናይ ምብታን ስርሒት፣ ኣብ ትሕቲ ድልድላት መንገዲ ባቡር ዝሓድሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 350 ስደተኛታት ከምዝተበታተኑ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

 

ሓይሎ ካብቶም ስደተኛታት ብፍላይ ደቂንስትዮን ኣደ ቆልዑን ግና መንግስቲ ፈረንሳ ብዘዳለወን ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ናብ ውሑስ መዕቖቢ ተወሲዶም።

ፖሊስ ኣቐዲሙ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታታ፣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ውስቲ 48 ሰዓታት ካብቲ ከባቢ ክግዕዙ ኣጠንቒቑ ኔሩ’ዩ።

እንተኮነ መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ነቲ መጠንቕቕታ ዕሽሽ ብምባል፣ ኣብ ትሕቲ ድልድላት መንገዲ ባቡር ቴንዳታት ብምዝርጋሕ’ዮም ክነብሩ ጸኒሖም።

እቶም ስደተኛታት ናብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ስካንዲናቭያን ዑቕባ ንምሕታት ዝወተኑ ኮይኖም፣ ናብተን ዓድታት ክሳብ ዝበጽሑ ብለገስትን ትካላት ግብረ ሰናይን ብዝተዋህቦም ቴንዳታት እናዘርግሑ’ዮም ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ።

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ’ውን ብተመሳሳሊ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ንዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት በቲኖም።

እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ‘ጫካ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ከባቢታት ቴንዳታት ብዝምርጋሕ ክነብሩ ዝጸንሑ’ዮም።

ኣብ ካሌ፣ ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ መንጎ ዜጋታት ሱዳንን ኤርትራን ብዝተወላዕለ ኣምባጋሮ፣ 24 ስደተኛታት ብከቢድን ፎኵስን ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ’ዩ።

ካብ ኢጣልያ ዝውሕዙ ዘለዉ ኣማኢት ኣስሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ፈረንሳ ከምዝተኣኻኸቡ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፈረንሳን ጀርመንን እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበ 40 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ምጥያስ መስርሕ፣ ዳግም ክጽናዕ ሓቲተን።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ እዘን ክልተ ዓበይቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዝበዝሐ ናይቲ ዝጣየስ ቁጽሪ ስደተኛ ክቕበላ’ዩ ኣሚሙ።

ፈረንሳ ነቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበላ ሎሊ ትሽዓተ ሽሕ ስደተኛታት ከተጣይስ ዝቐረበላ እማመ ብኡ ንብኡ ከምዝነጸገቶ ይዝከር።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0