ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝታይ ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታ ምብራቅ ሱዳን ዑደት ከካይዱ’ዮም

ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝታይ ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታ ምብራቅ ሱዳን ዑደት ከካይዱ’ዮም

Radio Erena: 21 October 2015

East EU

ወከልቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቶም ወከልቲ ሃገራት ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ሽወደን፣ ብሪጣንያን ኔዘርላንድስ ዝርከብዎም ዲፕሎማሰኛታት ሎሚ 21 ጽባሕ 22 ጥቅምቲ ናብ ከባቢታት ከሰላ፣ ኤድማዚንን ካልእ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳንን ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ዝሕበር ዘሎ፣ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘሎ ሰባውን ልምዓታዊ ኩነታት ንምዕዛብ ምዃኑ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሱዳን ገሊጹ።

ኣብ ርእሲ’ውን ዑደት እዞም ዲፕሎማሰኛታት ናብቲ ዞባ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣውራ መሰጋገሪ ስደተኛታት ኮይኑ ዘሎ ከባቢታትን ህሉው ኩነታት ዋሕዚ ስደትን ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ክዘራረቡ ምዃኖም ጸብጻባት እቲ ሕብረት የረድእ።

 

ሕብረት ኢውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ዜጋታተን ብብዝሒ ንዝስደዱ ዘለዉ ሃገራት ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካት ክፈትሖ ይኽእል’ዩ ኣብ ዝብል እምነት’ዩ ዝምጉት ዘሎ።

እቲ ሕብረት፣ ነታ ዜጋታታ ብብዝሒ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ሰሊዑ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ’ውን ይፍለጥ።

ዝበዝሑ ኤርትራውያን መንገዲ ስደት ዝመርጽዎ ዶባ ምብራቕ ሱዳን ብምዃኑ’ውን፣ መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ምስ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዝርራብ ነባሪ ፍታሕ ከምጽኡ ይክእሉ’ዮም ዝብል ኣርእስታት ብወገን ሕብረት ኤውሮጳ ይልዓል’ዩ።

እንተኾነ እቲ ኣውራ ጠንዊ ስደት ኤርትራውያን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ምዃኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የስምርሉ።

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ዝፍታሕ’ውን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ምስ ዝህሉ ጥራይ ምዃኑ ይኣምኑ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0