ወትሃደራዊ ታዕሊም ዘይወሰዳ ካብ 18 ክሳብ 45 ዓመት ዝዕድሚኤን ደቂንስትዮ ብግዴታ ናብ ታዕሊም ክወርዳ ምድላዋት ይግበር ኣሎ

ወትሃደራዊ ታዕሊም ዘይወሰዳ ካብ 18 ክሳብ 45 ዓመት ዝዕድሚኤን ደቂንስትዮ ብግዴታ ናብ ታዕሊም ክወርዳ ምድላዋት ይግበር ኣሎ

Radio Erena: 20 April 2015

woemnin sawa

ካብ 18 ክሳብ 45 ዓመት ንዝዕድምኤን ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ናብ ታዕሊም ክወርዳ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ገለ ምምሕዳራት ከተማ ኣስመራ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝግብአን ደቂንስትዮ ናብ ናይ ታዕሊም ቦታ ክወርዳ ዝብል ሓበሬታ ተዘርጊሑ ከምዘሎ’ውን እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣቐዲሙ’ውን ክሳብ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት ከይተረፉ ናይ ሓደ ወርሒ ታዕሊም ክወስዱ ኣገዲዱ’ዩ።

 

ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ምዃኑ ብዓሎቕ ወረ ዘናፍስ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ በንጻሩ ድማ ኩሉ ብረት ክዓጥቕ ዝኽእል ኤርትራዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወስድ የገድድ ምህላዉ ይግለጽ።

ኣውራ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ምዃኑ ዝንገረሉ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ወከልቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ከምዘሎን ድሕሪ 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝኽእልን ገሊጹ’ዩ።

እንተኾነ ወከልቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ እቲ ንዓኣቶም ጥራይ ዝተዋህቦም መግለጺ፣ ወግዓዊ ኮይኑ ንህዝቢ ክንገር’ዮም ዝጠልቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጸጥታ ሃገርን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ይፍጽም ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

=======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0