ኣብ ሊብያ 30 ንጹሃት ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ዝቐተለ ኣረሜናዊ ዳዒሽ ኤርትራውያን ሒዙ ከምዘሎ’ውን ተገሊጹ

ኣብ ሊብያ 30 ንጹሃት ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ዝቐተለ ኣረሜናዊ ዳዒሽ ኤርትራውያን ሒዙ ከምዘሎ’ውን ተገሊጹ

Radio Erena: 20 April 2015

30ethi

ኣብ ሊብያ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ 30 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣመንቲ ክርስትና እናሰየፈን ብጥይት እናረሸንን ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ።

እቲ ኣረሜናዊ ሽበራዊ ጉጅለ ነቶም ናብ ስደት ዘምርሑ ዝነበሩ ንጹሃት ኢትዮጵያ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ሊብያ ንልዕሊ ወርሒ ሒዝዎም ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ እናሰየፎምን እናረሸኖምን ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ ዘሎ።

እስላማዊት ሃገር ንምምስራት ከምዝንቀሳቐስ ዝገልጽ ኣረሜናዊ ሽበራዊ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሒዙ ከምዘሎ’ውን ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ካብ ሊብያ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝደወሉ ስደተኛታት ገሊጾም’ዮም።

እቲ ጉጅለ ነቶም ካብ ፖለቲካዊን ቁጠባውን መከራታት ካብ ገዛእ ዓዶም ሃዲሞም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብምእታው ዑቕባ ንምሕታት ንሊብያ ከም መሰጋገሪ ክጥቀሙላ ናብታ ሃገር ዝኣተው ንጹሃት ስደተኛታት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ምስያፉን ምርሻኑን ክኹነን ዝግብኦ ሰይጣናዊ ተግባር’ዩ።

ጉጅለ ዳዒሽ ኣቐዲሙ’ውን ካብ ዶብ ግብጺ ንዝጨወዮም ግብጻውያን ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ገማግም ባሕሪ እናሰየፎም ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ መደበራት ናይቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣይርሳዕን።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብህጹጽ ደው ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተማሕጺኑ።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ነዚ ምሕጽንታ ዘቕረበ፣ ምስ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺብኑ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ኣብ መበል ራብዓይ ዋዕላ ጣና ንምስታፍ’ዩ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ኣብቲ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ሽበራ ዘተኮረ ዋዕላ ጣና መራሕቲ ሃገራት ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ማሊ፣ ሶማልያ፣ ቦትስዋና፣ ደቡብ ሱዳንን ከምኡ ድማ መራሒ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድን ከምዝተሳተፉ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ዋዕላ ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበረ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ’ዩ ተመሪሑ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0