ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ኣዘዚዙ

Radio Erena: 31 July 2019

ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብ መላእ ሃገራት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ወሲኑ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፣ ኣብ ዞባ ኮርዶፋን፣ ከተማ ኣል ዖበይዳ፣ ተማሃሮ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፣ ሓይልታት ጸጥታ ሓሙሽተ ቆልዑ ድሕሪ ምቕታሎም’ዮም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብቲ፣ ብ29 ሓምለ ብ”ሚሊሻ ጃንጃዊድ” ከምዝተፈጸመ፣ ዝጥቀስ መጥቃዕቲ፣ ማህደር ዝሓዙን ናይ ተመሃራይ መለለይ ልብሲ ዝወደዩን ኣስታት 50 ድማ ተማህሮ ብኸቢድ ፈኵሲን ቆሲሎም’ዮም።

ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓድሽ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ እታ ሃገር፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቋም ምስቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዝጀመሮ ዝርርብ ንምቕጻል ዝነበሮ መደብ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ተማሃሮ ብደረጃ ሃገር ናይ ተማሃሮ ተቓውሞ ከይካየድ ብምስጋእ’ዩ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ወሲኑ ዘሎ።

ክሳብ መዓስ ተዓጽየን ክጸንሓ ምዃነን ዝተፈልጠ ነገር የለን።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0