ጀርመን፣ ንሓደ ቆልዓ ናብ ባቡር ደፊኡ ዝቐተለ ኤርትራዊ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ስዊዘርላንድ ብፖሊስ ይህደን ምንባሩ ተሓቢሩ

Radio Erena: 31 July 2019

ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ፍራንክፎርት፣ ንሓንቲ ኣደ ምስ ወዳ ናብ ባቡር ብምድፋእ ቅትለት ዝፈጸመ ኤርትራዊ መንእሰያት፣ ኣቐዲሙ ብፖሊስ ስዊዘርላንድ ይህደን ምንባሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኣብ ክሊ 40ዓታት ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰያት፣ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ካንቶና ዙሪክ ዝቕመጥ ኮይኑ፣ ብሰኑይ 29 ሓምለ፣ ኣብ ጀርመን፣ ንሓንቲ ኣደ ምስ ወዳ ናብ ባቡር ድሕሪ ምድፍኡ፣ እቲ ወዲ 8 ዓመት ቆልዓ ብኡ ንብኡ ክመውት እንከሎ እታ ኣደ ኣብ ሕክምና ትርከብ።

እቲ መንእሰይ ነዚ ገበን ዝፈጸመሉ ምኽንያት ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

ይኹን’ምበር፣ ኣቐዲሙኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር፣ ንስድራቤቱን ጎረቤቱን ብኻራ ኣፋራሪሕዎም ከምዝተሰወረ ፖሊስ ካንቶና ዙሪክ ኣመልኪቱ።

ንሱ፣ ኣብ 2006 ናብ ስዚዘርላንድ እኳ እንተኣተወ፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት’ዩ ኣብ 2011 መንበሪ ፍቓድ ረኺቡ።

ክሳብ መጀመርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዙሪክ ይሰርሕ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገም ካብ ስራሕ ከምዝተፋነወ ጸብጻብ ፖሊስ ይጠቕስ።

ክሳብ’ዚ ኣብ ጀርመን ገበን ዝፈጸመሉ ዕለት ድማ ናይ ስነ-ኣእምሮ መድሃኒት ይወድስ ምንባሩ ተፈሊጡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Kuflom 5 years ago

    Ita zitedfiet ade Eritrawit aykonetn Germenawit iya.
    Iti Habereta armuwo.