ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ስልጣን ከረክብ’የ ኢሉ

Radio Erena: 08 July 2022

ጀነራል ኣልቡርሃን ናይ ሱዳን፤ ወተሃደራዊ ጉጅለኡ ካብ ስልጣን ተኣልዩ፤ ሓላፍነት ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገር ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጀነራል ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢጋድ ድሕሪ ምዝዛሙ ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መደረ፤ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፤ ብሕጂ ኣብ ዝቐውም ግዚያዊ መንግስቲ’ውን ከምዘይሳተፍ እዩ ገሊጹ።

እንተኾነ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባትን፤ ሲቪካውያን ማሕበራትን፤ ንመደረ’ቲ ጀነራል ብዓይኒ ጥርጣረ ከምዝርእዩዎን፤ ገለ ዝተሓብአ ኣጀንዳ ክህልዎ ከምዝኽእልን ገሊጾም።

ግዚያዊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓሊ ሳድቕ፤ ብረቡዕ 7 ሓምለ ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ብወገኑ፤ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝሃቦ መግለጺ ንጹር ምዃኑ፤ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ከኣ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ምሕላው ተሓጺሩ፤ ምምሕዳር ሃገር ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከረክብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ።

ብድሕሪ’ዚ ናይ ጀነራል ኣልቡርሃን ውሳኔ፤ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ምምስራት ክትተሓጋገዝ ዝቖመት ካብ ኢጋድ፤ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ዝተዋጸኤት ጉጀለ፤ ጀሚራቶ ዝጸንሐት ስራሕ ብወግዒ ደው ከምዘበለት ገሊጻ።

እታ ኮሚቴ ኣብ መግለጺኣ፤ ወተሃደራዊ ጉጅለ ካብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሱዳን እንተስሒቡ፤ ናይ ሽምግልና መስርሕ ምክያድ ኣገዳስነት የብሉን ኢላ።

መደረ ጀነራል ኣልቡርሃን ዘይንጹርን፤ ብዙሕ ሕቶታት ዘለዓዕልን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ህይወት ኣማኢት ዝወሰደ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ሱዳን ሓሳቡ ዘይቀየሮ፤ ሃንደበት ነዚ ውሳኔ’ዚ ክወስድ ዝደረኾ ምኽንያት ኣየነጸረን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0