‘ኦ.ኤል.ኤ. ሸኔ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክንድምስሶም ኢና’፣ ቀ/ሚ ኣብይ

Radio Erena: 08 July 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሎም ኢሉ ንዝኸሶም ዕጡቓት ሓይልታት ኦሮሞ፤ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክንድምስሶም ኢና ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንባይቶ ሃገሩ ብሓሙስ 7 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ መደረ፤ እቲ ብሸኔ ዝፍለጥ ኦ.ኤል.ኤ. ኣብ ዞባ ወለጋ ንተወላዶ ኣምሓራ ፈልዩ ናይ ዝገበሮ መጥቃዕቲ፤ ሰራዊት መንግስቲ ዝህቦ ምላሽ፤ ምድምሳስ ናይቲ ዕጡቕ ሓይሊ ከስዕብ’ዩ ኢሉ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፤ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊቱን ሓይልታት ፖሊስን፤መዓልታዊ ይሞቱ ምህላዎም ብምእማን፤ ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ንኸፍሎ ዘለና ዋጋ ከቢድ’ዩ ክብል ገሊጹ። ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት እውን በቲ ዕጡቕ ሓይሊ ይቕተሉ ምህላዎም ገሊጹ።

ጸጥታ ሃገሩ ከውሕስ ተሸጊሩ ከምዘሎ ዝንገረሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፤ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘተ ሰላም ንምክያድ ሽማግለ ተመሪጻ’ኳ እንተላ፤ እቲ ዝርርብ እንተዘይተዓዊቱ ጉዳይና ብሓይሊ ብረት ክንፈትሕ ክንግደድ ኢና ኢሉ።

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፤ ቅድሚ ሰለስተ ሳምንታት ብጃምላ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 320 ከምዝበጽሐ ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብዚ ናይ ሰኑይ ዘሕዝን ፍጻሜ ግና ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ገና ብልክዕ ኣይተፈለጠን ዘሎ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0