ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ሱዳን፣ ነቲ ብኮንትሮባንድ ብከሰላ ዝኣቱ ዝነበረ ነዳዲ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ኣብ ሱዳን ዋጋ ነዳዲ ብዕጽፊ ወሲኹ። ዋጋ ነዳዲ ብዕጽፊ ዝወሰከሉ ምኽንያት፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ክገብሮ ዝጸንሐ ድጎማ ስለዘልዓሎ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ምትዕርራይ ዋጋታት ነዳዲ፣ ንሓደ ጃሎን ወይ ድማ ን3.8 ሊትሮ ቤንዚን 12 ፓውንድ ሱዳን ዝነበረ ናብ 21 ፓውንድ ክብል ኢሉ ኣሎ።
ዋጋ ናፍታ ድማ ካብ 8 ፓውንድ ናብ 14 ዓሪጉ። 15 ፓውንድ ዝነበረ ሓደ ዕትሮ ናይ ኽሽነ ጋዝ፣ በዚ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ግብራዊ ኮይኑ ዘሎ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲ 25 ፖውንድ ክሽየጥ’ዩ።

 

መንግስቲ ሱዳን ንድጎማ ነዳዲ ሃንደበት ምልዓሉ ንዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ ነገራት ሰማይ ከዕርጎ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ነበርቲ ከተማ ካርቱም፣ እቲ ድጎማ ድሕሪ ምልዓሉ ኣብ ጎደናታት ተቓውሞ ከምዘካየዱ ዝሓበረ ኣልጀዚራ ድማ፣ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ኣመልኪቱ።

ሱዳን ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ተሸሚማ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ብሰንኩ ድማ ዝቕባበ ባጤራ እታ ሃገር እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎን ይጥቐስ።

ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ኣስታት ሸውዓተ ፓውንድ ክሽረፍ ጀሚሩ ምህላዉ’ውን ነበርቲ እታ ከተማ የረጋግጹ።

እዚ ኣብ ሱዳን ተኣዊጁ ዘሎ ወሰኽ ዋጋታት ነዳዲ፣ ንዋጋታት እቲ ብኮንትሮባንዳ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዝነበረ ነዳዲ ከንህሮ’ዩ ዝብል ግምታት ኣሎ።

ኤርትራ፣ ብደረጃ ዓለም እታ ዝኸበረ ዋጋ ነዳዲ ዘለዋ ሃገር ኮይና ብሕጋዊ ዕዳጋ ንሓደ ሊትሮ ቤንዚን 38 ናቕፋ ወይ ኣስታት 2 ዶላር’ዩ ዝሽየጥ።
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0