ኮሮኖ ቫይረስ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ዜጋታተን ካብ ቻይና ብህጹጽ ዘየውጽኣሉ ምኽንያት ዋሕዲ ዓቕሚ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: 03 March 2020

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቻይና፣ ኣብ ማህደረ ትምህርቲ ዝርከቡ ኣሽሓት ዜጋተተን ብህጹጽ ከየውጽኣን ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ከይገብራሎምን ዓቕሚ ከምዝሓጸረን ተገሊጹ።

ብፍላይ ኣብቲ ብሕማም ኮረና ቫይረስ ብዝያዳ ተጠቒዑ ዘሎ፣ ከተማ ዉሃን እትርከቦ ዞባ ሁበይ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሽሕ ተማህሮ፣ ኣብ ዘለውዎ ተወሺቦም እኳ እንተለዉ፣ ሃገራቶም ብህጹጽ ከየውጽኣኦም ግቡእ ሕክምናዊ መርመራ ክገብራሎምን ብዘይምኽኣለን ነናብ ዓዶም ክፋነዉ ከምዘይክኣሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብታ ሃገር ይገልጹ ኣለዉ።

መብዛሕተን ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን፣ ካብ ቻይና ክወጹ ንዝደልዩ ዜጋታተን ብህጹጽ ብምውጻእ ምሉእ ሕክምናዊ መርመራታትን ክገብራሎም እንከለዋ፣ ካብ ቻይና ክወጹ ዝኸኣሉ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ግና ካብ ኣማኢት ከምዘይሓልፉ’ዩ ዝጥቀስ።

ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣስታት 200 ዝኾኑ ተማሃሮ ካብ ከተማ ዉሃን ናይ ቻይና፣ ብመንገዲ ኢማራት ኣቢላ ከምዘውጽአት፣ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ትገብረሎም ከምዘላን ክግለጽ እንከሎ፣ ከም ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሊብያ፣ ሞሮኮ፣ ሞሪሸስን ቱኒዝያን ዝኣመሰላ ሓደ ሓደ ሃገራት ድማ ቅጥዕታት ውድብ ጥዕና ዓለም ብዘማልእ መንገዲ 10ታት ዜጋታትን ከውጽኣ ክኢለን ኣለዋ።

ብዙሓት ተማሃሮ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ፣ ሃገራቶም ካብቲ ዞባ ብህጹጽ ከውጽኦኦም ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜዳያት ይጠልቡ ኣለዉ።

ከተማ ዉሃን ዘጠቓለለ ዞባ ሁበይ ናይ ቻይና፣ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 5 ሽሕ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስታት ማህደረ ትምህርቶም ኣብ ምክትታል’ዮም ጸኒሑም።

እንተኾነ ብሰንኪ ኮሮና ቫይርስ፣ ዝበዝሐ ዩኒቨርስታት እቲ ዞባ ተዓጽየን ይርከባ።

ብደረጃ ዓለም ኣስታት 90 ሽሕ ሰባት ብኮሮና ቫይርስ ክጥቅዑ እንከለዉ ልዕሊ 3 ሽሕ ድማ ሞይቶም።

ዝበዝሑ ካብዞም ግዳያት ኣብ ቻይና እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ደቡብ ኮርያ፣ ኢራን፣ ሃገራት ኤውሮጳን’ውን ብብዝሒ ተራእዩ ኣሎ።

ዛጊት እታ ዝወሓደ ምልክታት እዚ ሕማም ዝተራእያ ኣህጉር ኣፍሪቃ’ያ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0