ኮርፐረሽን ፊናንስ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ዕደና ፖታሽ 150 ሚልዮን ዶላር ከውፍር’ዩ

Radio Erena: 17 December 2019

ኮርፐረሽን ፊናንስ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ትካል፣ ኣብ ኤርትራ፣ ደንካልያ ኣብ ዝካየድ ዕደና ፖታሽ 150 ሚልዮን ዶላር ከውፍር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መርበብ ሓበሬታ ቢዝነውስ ዋይር ኣብ ዘቕረቦ ጸንጻብ፣ እቲ ካፒታል፣ ኣብ ምምዕባልን ምህናጽን ፕሮጅከት ናይቲ ኣብ ኤርትራ፣ ብኩባንያ ዳናካሊ ዝካየድ ፕሮጀክት ዕደና ፖታሽ ኮለሊ ክውዕል’ዩ።

ኩባንያ ዕደና ኮለሊ፣ ኣብቲ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ፕሮጀክት ከውፍሩ ዝደልዩ ብውልቂን ብትካላትን ብርክታት ክዕድጉን ዕድመ ከቕርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ናይጀርያ ዝመደበሩ ኮርፐረሽን ፊናንስ ኣፍሪቃ፣ ንዕድመ ኩባንያ ዕደና ኮሊሊ ብምቕባል፣ ኣብዚ ኣብ ደንካላያ ዝካየድ ዕደና ፖታሽ ዝበዝሐ ገንዘብ ካብ ዘውፈሩ ናይ መጀመርያ ኣህጉራውያን ትካላት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ደንካልያ ዝርከብ ከባቢ ኮለሊ፣ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ቶን ዝግመት ዕቑር ማዕድን ፖታሽ ከምዘለዉ ብኩባንያ ዳናካሊ ዝተኻየደ ዳህሳስ ግምታቱ ይቕርብ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ትጽቢት ከምዘለዎ’ዩ ዝገልጽ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣስታት 16 ዝኾና ኣህጉራውያን ኩባንያታት ዕደና፣ ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ወርቂ፣ ነሓስን ካልእ ማዕድናትን ተዋፊረን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ናብ ፍርያት ዝበጽሓ ከም ኔቭሰን ዝኣመሰላ ኩባንያታት ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዘረክብኦ ዘላዋ መኽሰብ፣ ግሉጽነት ዝጎደሎ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

40% ናይ ኩሉ ዝካየድ ንጥፈታት ዕደና ዝውንን መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ስምዓት ብስም ሚኒስትሪ ማዕድን ደኣ’ ይኸትሞ እምበር፣ ብቀጥታ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከምዝመሓደር ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0