ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 17 December 2019

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ልዩተናንት ጀነራል ሓማድ መሓመድ ታኒ ኣል ሩማይቲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ልኡኽ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉእላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደፈታሕ ኣል ቡርሃንን ጠቕላሉ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ልዩተናንት ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣልሓሰንን ብምርኻብ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዛ ዝኽእላ ነጥብታት ተመያይጡ።

ጎኒ ጎኒ’ዚ ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምትሕግጋዝን ኣብ ልምዓትን ዶ/ር ዖበይድ ኣል ሓሪ ሳለም ኣልከትቢ ዝምራሕ ካልእ ጉጅለ ልኡኽ ኢማራት’ውን ናብ ሱዳን በጺሑ’ዩ።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢማራትን ኣብ ጸጥታን ወትሃደራዊ ጉዳያትን ክግበር ብዛዕባ ዝኽእል ምትሕግጋዛት ብምትኳር ካብ 10 ክሳብ 11 ታሕሳስ ርክባት ከምዘካየደ ምንጭታት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ብመሓዙት ሱዳን ዝፍለጥ ጉጅለ ኢማራት’ውን ተሳቲፉ።

ልኡኻት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ሱዳን ዝበጽሑ ዘለዉ፣ ሱዳን ኣብ የመን ዝጸንሐ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራዊታ ከምዝሰሓበት ድሕሪ ምሕባራን፣ ምስ ቀጠር ድማ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ምክያዳን’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0