ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ንኤርትራን ጂቡቲን ክሽምግል’ዩ

ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ንኤርትራን ጂቡቲን ክሽምግል’ዩ

AU commissionerኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ክሽምግል ውሳኔ ኣሕሊፉ።

እቲ ኮሚሽን መበል 29 ስሩዕ ኣኼብኡ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ብተበግሶ ቐጠር ዝጀመረ መንጎኝነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን፣ ቐጠር ካብቲ ዞባ ብምስሓባ ንዝተፈጥረ ሃጓፍ ንምምላእ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

 ቐጠር ኣብ 2010 ዝጀመረቶ መንጎኝነት፣ 450 ዝቑጽሩ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብቲ ኣከራኻሪ ዞባ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ኣዋፊራ ምንባራ ይዝከር። እንተኾነ ኤርትራን ጂቡቲን ምስቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ዘሎ ጎስጓስ ምንጻል ቐጠር ብምጽምባረን፣ ቐጠር ሰራዊታ ስሒባ’ያ።

ብ2 ሓምለ ኣብ ዝተዛዘመ መበል 57 ዋዕላ ሚኒስተራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ጂቡቲ ነቲ እንዳዓረገ ዝመጽእ ዘሎ ወጥሪ ምስ ኤርትራ ከምዘሻቐላ ብምጥቃስ፣ እቲ ሕብረት ክሽምግል ብዘቕረበቶ ጠለብ መሰረት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ኣውጺኡ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ዝቐረበ ኣቓልቦ ዝሓትት ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ብሰንኪ ሰራዊት ቐጠር ምስሓቡ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ክመልእ፣ ከምኡ’ውን ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ክሳብ ዝረጋገጽ እቲ ሕብረት ብንጡፍ ክዋሳእ ዝብሉ ነጥብታት ኣቐሚጡ።

በዚ መሰረት ወኪል’ቲ ሕብረት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ክሰድድ ምዃኑ ይሕብር።

ንውሳኔ ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝምልከት ዛጊት ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ዝኾነ ምላሽ የለን።  

COMMENTS

WORDPRESS: 0