ፕረዚደንት ኬንያታ ምስ መወዳድርቱ ክከራኸር ኣብ ተለቪዥን ከምዘይቀርብ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ኬንያታ ምስ መወዳድርቱ ክከራኸር ኣብ ተለቪዥን ከምዘይቀርብ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 06 July 2017

kenya

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ብቐጥታ ብተሌቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ክትዕ ምስ መወዳድርቱ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክካየድ ተወጢኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሕጹያት ተወዳደርቲ ኮይኖም ቀሪቦም ዘለዉ ፕረዚደንት ኬንያታን መቐናቕንቱ ራይላ ኦዲንጋን፣ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ መዓልታት ኣብ ቴለቪዥን ብምቕራብ ክትዕ ከካዪዱ መደብ ከምዝወጸ ይግለጽ።

 ኣብ 2013 ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ክትዕ ምስ ራይላ ኦዲንጋ፣ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ልዕለይ ኣድልዎ ተፈጺሙ ክብል ምኽሳሱ ይዝከር።

ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ተወዳደርቲ ኮይኖም ዝቐረቡ ሽዱሽተ ውልቀ ሰባት እኳ እንተለዉ፣ እቲ ጥምጥም ኣብ መንጎ ኡሁሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን ከምዝኾነ’ዩ ዝፍለጥ።

ቅድሚ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ፣ ፖለቲካዊ ድፍኢት ብዘበገሶ ዓሌታዊ ግጭት ልዕሊ 1,100 ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ኣብዚ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ምርጫ’ውን ናዕብን ዕግርግርን ከይለዓል ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከቦም ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ህዩማን ራይትስ ዎች ብወገኑ፣ ድሮ ገለ ምፍርራሃትን ምትንዃላትን ክረአ ጀሚሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0