ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ፤ ንህወሓት ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ክምዘይምዝግቦ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 14 May 2023

ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ፤ ሕግታት ምርጫ ኣየኽበረን ብምባል ንህወሓት ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ክምዝግቦ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2021 እቲ ኮሚሽን ህወሓት ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ኲናት ብምጽማዱ፤ ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ከምዘይርእዮን፤ ኩሎም ኣባላት ህወሓት ከኣ ነቲ ውድብ ወኪሎም ክንቀሳቐሱ ከምዘይፈቕደሎምን ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
እቲ ኮሚሽን ኣብቲ እዋን፤ ብመሰረት ኣዋጅ 1162/2019 ኩሉ ቀዋሚን ተንቀሳቓሲን ንብረት ህወሓት ተሸይጡ፤ ኣብ ሲቪላዊ መዓላ ክውዕል፤ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ጥርዓን ምቕራቡ ብተወሳኺ ይዝከር።
ህወሓት ዝሓለፈ ሰሙን ናብቲ ኮሚሽን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፤ እቲ ዝተኻየደ ውግእ ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምዝዛሙ ብምዝኽኻር፤ ኮሚሽን ምርጫ ንውሳኔኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምጽውዑ፤ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጡ።
እንተኾነ ኮሚሽን ምርጫ፤ ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ክምዝገብ መጀመሪያ ወግዓዊ ሕቶ ከቕርብ ኣለዎ፤ ብመሰረት ዓንቀጽ 66 ናይ 2019 ኣዋጅ’ታ ሃገር ከኣ ጉዳዩ መርመራ ተኻዪዱሉ መልሲ ክወሃቦ ከምዝኽል ገሊጹ።
ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህወሓት ጌታቸው ረዳ፤ ብ17 መጋቢት፤ ካብ 41 ኣባላት፤ 18 ድምጺ ብምርካብ ከም ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ምስ ተመርጸ፤ ብ23 መጋቢት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር፤ ንጌታቸው ረዳ ከም ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ከምዝሰየሞ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0